Fana: At a Speed of Life!

ብሓደ ሊተሮ ክሳብ 40 ኪሎ ሜትሮ ክትጓዓዝ ትኽእል ተሸከርካሪት ብኢትዮጵያዊ ሰገን ተሰሪሓ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ብሓደ ሊተሮ ክሳብ 40 ኪሎ ሜትሮ ክትጓዓዝ ትኽእል ተሸከርካሪት ብኢትዮጵያዊ ሰገን ምስራሓ ሚኒስቴር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ገሊፁ።

ኣብ ዞባ ወላይታ ከተማ ኣረካ ነባሪ ዝኾነ ሰገን አጃዬ ማጆር፥ ነታ ተሸከርካሪት ካብ ዝወዳደቑ ሓፂነ መፂን ከምዝሰርሓ እውን ተሓቢሩ።

ሚኒስቴር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ብዝገበረሉ ሓገዝ ዝተሰርሐት በዓልቲ ክልተ እግሪ ተሸከርካሪት ሞተር ብምጥቃም ዝሰርሓ እንትኸውን፥ ንደሓር ምጉዓዝ ከምትኽእል ተገይራ ተመሓይሻ ዝተሰርሐት ተሸከርካሪት ኢያ።

ኣርባዕተ ኩንታል ክብደት ዘለዋ እታ ተሸከርካሪት፥ 4 ሰባት ናይ ምፅዓን ዓቕሚ ከምዘለዋን ብሓደ ሊትሮ ክሳብ 40 ኪሎ ሜትሮ ክትጓዝ ከምትኽእልን ተገሊፁ።

ቤት ዕዮ እቲ ሚኒስቴር፥ ነቲ መንእሰይ ዝተፈላለዩ ሓገዛት ከምዝገብር ምግላፁ ካብ ሚኒስቴር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.