Fana: At a Speed of Life!

ብሕማም ልቢን ፀቕጢ ደምን ዝተትሓዘ ሰብ ብኮቪድ 19 ናይ ምሓዝ ዕድሉ ልዑል ኢዩ-ውድብ ጥዕና ዓለም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 11 ግንቦት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ብሕማም ልቢን ፀቕጢ ደምን ዝተትሓዘ ሰብ ብኮቪድ 19 ናይ ምሓዝ ዕድሉ ልዑል ብምዃኑ በቶም ሕማማት ዝተትሓዙ ሰባት ቫይረስ ኮሮና ኣብ ምክልኻል ጥንቃቐ  ክገብሩ ከምዝግባእ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣፍሊጡ።

ሚኒስቴር ጥዕናን ፖፑሌሽን ሰርቪስስ ኢንተርናሽናልን ኣካል ኣስትራዜኒካ ምስ ዝኾነ መርሃ ግብሪ ሄልዚ ኸርት ኣፍሪካ ብምዃን ሎሚ ዘበን ምስ ዝኽበር መዓልቲ ፀቕጢ ደም ዓለም ብምዝማድ ብሓባር ይሰርሑ ከምዘለዉ ተገሊፁ።

መሪሕ ቃል እቲ መርሃ ግብሪ፥ “ፀቕጢ ደሞም/መን ብትኽክል ይዓቅኑ/ና፣ ብዙሕ ዓማውቲ ይንበሩ/ራ” ዝብል ኢዩ።

ውድብ ጥዕና ዓለም፥ ብሕማም ልቢን ፀቕጢ ደምን ዝተትሓዘ ሰብ ብኮቪድ 19 ናይ ምሓዝ ዕድሉ ልዑል ከምዝኾነ መልእኽቱ ኣመሓላሊፉ።

ብመሰረት ፀብፃብ እቲ ውድብ ዓመተ 2016፥ ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ዘጋጥም ሞታት እቲ 39 ብሰንኪ ተሓላለፍቲ ዘይኮኑ ሕማማት ዘጋጥም ኢዩ።

ካብዚ እቲ 16 ሚኢታዊ ብሕማም ልቢን ፀቕጢ ደምን ዘጋጥም ኢዩ።

ተቓላዓይነቱ ድማ ብሰንኪ ትሑት ኣመጋግባ ፍራምረን ኣትክልቲን ሓዊሱ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ዘይምግባር፣ ካብ ልክዕ ንላዕሊ ኣልኮላዊ መስተ ምጥቃም፣ ትምባሆ ምጥቃምን ልዕሊ ግቡእ ርጉዲን ኢዩ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.