Fana: At a Speed of Life!

“ብርሃን ዝርከብ ብኣምፑል ኢዩ” – ቀ/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ “ብርሃን ዝርከብ ብኣምፑል ኢዩ” ክብሉ ኣብ ህንፀት ፕሮጀክት መገዲ ኣስፋልት ጭዳ – ጅማ ኣብ ዘጀመሩሉ መርሃ ግብሪ ገሊፆም።

ጅማን ከባቢኣን ካብ ታሪኻዊ ቦታታት ኢትዮጵያ ሓደ ይኹን እምበር ኣብ ዝሓለፉ 30 ዓማውቲ መንግስቲ ትኹረት ዘይሃቦ ብምፅንሑ ቅልጡፍ ለውጢ ምምፃእ ኣቢዩዎ ከምዝነበረ ኣብሪሆም፡፡

ሕዚ ግን ንነበርቲ ጅማን ከባቢኣን ፀሓይ ወፂኡሎም ኣሎ ኢሎም፡፡

መገዲ ኣስፋልት ጭዳ ጅማ ድማ ብብዙሓት ሰብ ስራሕን ተፈጥሮኣዊን ሃፍቲታት ንዝተዓደ ህዝቢ ጅማን ከባቢኡን ናብ ብርሃን ዝወስድ ኢዩ ክብሉ ተዛሪቦም፡፡

ይኹ እምበር ብርሃን ብዘይ ኣምፖል ባዶ ስለዝኾነ ንኣምፖል ኣጥቢቕካ ብመሓዝ ናይ ሓባር ምዕባለ ምኣይ የድሊ ኢሎም፡፡

ኣብ ሞንጎ ጅማ ኣባ ጅፋርን ዓበይቲ ሰባት ኮንታን ዝነበረ ሕውነት ጥንኩር ከምዝነበረ ዝገለፁ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ መገዲ ኣስፋልት ጭዳ – ጅማ ንነበርቲ ከባቢ ኮንታን ጅማን ዝነበረ ማሕበራዊ ምትእስሳር ከምብሓዱሽ ዘጠናኽር ከምዝኾነ ኣገንዚቦም፡፡

መንግስቲ ኣብቲ ፕሮጀክት መገዲ ዝኣተዎ ቃል ብተግባር ከምዘርኢ እውን ኣረጋጊፆም፡፡

ብሶዶ ለማ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.