Fana: At a Speed of Life!

ብር 8 ሚሊየን ዝግመት ኣቑሑት መከላኸሊን መመርመሪን ቫይረስኮሮና ንሚኒስቴር ጥዕና ሓገዝ ተገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሚኒስቴር ጥዕና ብር 8 ሚሊየን ዝግመት ኣቑሑት መከላኸሊን መመርመሪን ቫይረስኮሮና ካብ ኣርባዕተ ትካላት ብሓገዝ ምርካቡ ኣፍሊጡ።

እቲ ሓገዝ ሚኒስትር ጥዕና ፌዴሪኢ ዶክተር ሊያ ታደሰ ኢየን ተረኪበንኦ።
ሓገዝ ካብ ሞንጎ ዝገበሩ ትካላት ውሽጢ፥ ሃመረ ብርሃን ቅዱስ ገብርኤል ኦርቶዶክስ ተዋህዶምእመናን ጀርመን ፍራንክፈርት ልዕሊ ብር 1 ነጥቢ 2 ሚሊየን ዘውፀእ ዘበናዊ መመርመሪ ማሽን ፒሲኣር ኣበርኪቶመም።

ኩባኒያ ኣራ ዳሎል ድማ ኣብ ክልል ዓፋር ካብ ዝገበሩዎ ሓገዝ ብተወሳኺ ንሰብ ሞያታት ሕክምና ዘገልግል 124 ሺሕን 800 ኤን 95 ማስክ ኣረኪቦም።

የኔታ ቤት ኣዳላዊ መደብ ቴሌቪዥን ህፃናት ብሽም ህፃናት ኢትዮጵያ ብር 6 ነጥቢ 5 ሚሊዮን ዘውፅኡ ሰርጅካል ማስክን ኤን 95 ማስክን ለጊሶም።

ፒውር ውድ ፓል ፔፐርና ፓኬጅንግ ፒኤልሲ ብተወሳኺ ልዕሊ 30 ሺሕ ዝኾኑ ሰርጅካል ማስክታት፣ 9 መለክዒ ረስኒን ክዳውንቲ ሰብ ሞያታት ጥዕናን ኣበርኪቱ።

ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ፥ ሓገዝ ገበርቲ ትካላት ናይ ሎሚ ሓዊሱ ክሳብ ሕዚ ንዝገበሩዎ ሓገዝ ብምምስጋን እቲ ሓገዝ ተጠናኺሩ ንኽቕፅል ምሕታተን ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.