Fana: At a Speed of Life!

ብብርኪ ዓለም ቁፅሪ ብቫይረስኮሮና ዝተለኸፉ ሰባት ልዕሊ 5 ሚልየን በፂሑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ግንቦት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ብብርኪ ዓለም ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ብዝተገበረ ምርመራ ቅድመ ሐዚ ካብ ዝተመዝገበ እቲ ዝለዓለ ቁፅሪ ዘለዎም በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ከምዝተረኸቡ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣፍሊጡ።

እቲ ትካል ኣብ ዘውፀኦ ፀብፃብ፥ ትማሊ ጥራሕ ኣብ ዓለምና 106 ሺሕ ሰባት ቫይረስኮሮና ተረኺቡዎም።

ስለዝኾነ ኮቪድ 19 ካብ ዘጋጥም ጀሚሩ እንትረአ ልዑል ቁፅሪ ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

ዳይሬክተር ጀነራል ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፥ ነቲ ለበዳ ኣብ ምክልኻልን ምቁፅፅርን ነዊሕ ርሕቐት ይፅበየና ኢሎም።

እቲ ቫይረስ ትሑትን ማእኸላይን እቶት ኣብ ዘለወን ሃገራት ቁፅሪ ተለከፍቲ እናወሰኸ ከምዝመፅአ እውን ሓቢሮም።

ብብርኪ ዓለም ቁፅሪ ብቫይረስ ኮሮና ዝተለኸፉ ሰባት ልዕሊ 5 ሚልየን ምብፅሑ ድማ ገሊፆም።

ዩንቨርሲቲ ጆንስ ሆፕኪንስ ዝእክቦ ሓበሬታ ከምዘርእዮ፥ ክሳብ ሐዚ ብብርኪ ዓለም በዝሒ በቲ ቫይረስ ዝሞቱ ሰባት 329 ሺሕ በፂሑ ኣሎ።

1 ሚሊየንን 899 ሺሕን 350 ሰባት ድማ ካብቲ ሕማም ከምዝሓሾም ሓቢሩ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.