Fana: At a Speed of Life!

ብብርኪ ዓለም ብቫይረስኮሮና ዝተለኸፉ ሰባት ቁፅሮም ካብ 30 ሚሊየን ዛይዱ

ኣዲስ ኣበባ፣  7 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ብብርኪ ዓለም ብቫይረስኮሮና ዝተለኸፉ ሰባት ቁፅሮም 30 ሚሊየንን 62 ሺሕን 255 ከምዝበፅሐ ተገሊፁ።

ክሳብ ሐዚ ብዘሎ መረዳእታ 945 ሺሕን 542 ሰባት ብሰንኪ እቲ ቫይረስ ህይወቶም እንትስእኑ፥ 21 ሚሊየንን 819 ሺሕን 114 ድማ ካብቲ ሕማም ከምዝሓሾም ተሓቢሩ።

ኣሜሪካ ልዕሊ 6 ሚሊየንን 828 ሺሕን ዜጋታት በቲ ቫይረስ እንትልከፉ፥ ለዕሊ 200 ሺሕ ድማ ሀይወቶም ስኢኖም ኣለዉ።

ብመሰረት እዚ ብብርኪ ዓለም ብመልከፍቲ ቫይረስ ኮሮና ኣሜሪካ ቀዳማይ ብርኪ ሒዛ ኣላ።

ብተወሳኺ ኣብ ህንዲ በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ ቁፅሪ ሰባት ልዕሊ 5 ሚሊየን ብምብፅሑ ካልአይቲ ኮይና ኣላ።

ካብ ኣሜሪካን ህንዲን ቀፂለን ሃገራት ብራዚል፣ ሩሲያን ፔሩን ብቕደም ሰዓብ በቲ ለበዳ ዝተጠቕዓ ሃገራት ኮይነን ኣለዋ።

ፍልፍል፦ ወርልድ ኦ ሜትር

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.