Fana: At a Speed of Life!

ብብርኪ ዓለም ብቫይረስኮሮና ዝተለኸፉ ቁፅሪ ሰባት ልዕሊ 601 ሽሕ በፂሑ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 19 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ብብርኪ ዓለም ብቫይረስኮሮና ዝተለኸፉ ቁፅሪ ሰባት 601 ሺሕን 478 ከምዝበፅሐ ተገሊፁ።

እቲ ቫይረስ ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ ዘለዎ ምስፋሕ ብዝለዓለ መጠን ይውስኽ ከምዘሎ ተገሊፁ።

ብሰንኪ እቲ ቫይረስ ክሳብ ሐዚ 27 ሺሕን 862 ሰባት ከምዝሞቱ እውን ተገሊፁ።

ክሳብ ሐዚ ብዘሎ ውፅኢት፥ ኣሜሪካ፣ ጣሊያን፣ ቻይና፣ ስፔይንን ጀርመንን ብቕደም ሰዓብ ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሓምሻይ ብምስራዕ ብብርኪ ዓለም ዝበዝሑ ቢቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ዝተረኸቡለን ሃገራት ኮይነን ኣለዋ።

ብመሰረት እዚ ኣብ ኣሜሪካ 104 ሺሕን 837፣ ጣሊያን 86 ሺሕን 498፣ ቻይና 81 ሺሕን 947፣ ስፔይን 65 ሺሕን 719 ከምኡ እውን ኣብ ጀርመን 53 ሺሕን 340 በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ዝተረኸብለን ሃገራት ኢየን።

ኣብ ሕድ ሕድ ሃገራት ዘሎ ቁፅሪ መወትቲ እውን እንትረአ፥ ብቐዳምነት ኣብ ጣሊያን 9 ሺሕን 134፣ ስፔይን 5 ሺሕን 138፣ ቻይና 3 ሺሕን 177፣ ኢራን 2 ሺሕን 378 ሰባት ብምኽኒያት እቲ ቫይረስ ህይወቶም ዝሰኣኑ ኢዮም።

ካብ ጠቕላላ በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት እቶም 131 ሺሕን 826 ሰባት ብዝተገበረሎም ግቡእ ክትትል ሕክምና ዝደሓኑ ከምዝኾኑ እውን ተሓቢሩ።

እዋናውን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.