Fana: At a Speed of Life!

ብብርኪ ዓለም ትማሊ ዝለዓለ መጠን መልከፍቲ  ቫይረስኮሮና ከምዝተመዝገበ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 መስከረም፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ውድብ ጥዕና ዓለም ትማሊ ዝለዓለ ሓዲሽ መልከፍቲ ቫይረስኮሮና ከም ዝተመዝገበ ገሊፁ።

እቲ ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ዝተመዝገበ ብዝሒ መልከፍቲ 307 ሺሕን 930 እንትኸውን፥ ቅድሚ ሐዚ ኣብ ሓደ መዓልቲ ክንድ’ዚ ቁፅሪ ተመዝጊቡ ኣይፈልጥን ተባሂሉ።

ትማሊ እቲ ዝበዝሐ ሓዲሽ መልከፍቲ ኣብ ህንዲ፣ ብራዚልን ኣሜሪካን’ዩ ተመዝጊቡ።

ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ ዝሓለፈ 24 ሰዓታት ሞት 5 ሺሕን 500 ሰባት ስለ ዝተመዝገበ ብድምር ብብርኪ ዓለም ዘጋጠመ ቁፅሪ ምውታት ናብ 917 ሺሕን 417 ክብ ከም ዝበለ ገሊፁ።

ብብርኪ ዓለም ቁፅሪ ብቫይረስኮሮና ናይ ዝተለኸፉ ሰባት ልዕሊ 28 ሚልየን ክበፅሕ እንከሎ፥ ካብዚኦም እቶም ፍርቆም ካብ ሰሜንን ደቡብን ኣሜሪካ’ዮም ተባሂሉ።

ቅድሚ ሐዚ ኣብ ሓደ መዓልቲ ዝለዓለ ቁፅሪ ሓዲሽ መልከፍቲ ተመዝጊቡላ ዝነበረት መዓልቲ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 6 መስከረም 2020 እንትትከውን፥ ኣብታ ዕለት 306 ሺሕን 857 ’ዩ ተመዝጊቡ ነይሩ።

ብመሰረት ካብ ውድብ ጥዕና ዓለም ዝተረኸበ ሓበሬታ ኣብ ዝሓለፈ 24 ሰዓታት ህንዲ 94 ሽሕን 372፣ ኣሜሪካ 45 ሽሕን 523 ከምኡ’ውን ብራዚል 43 ሽሕን 718 ሓዲሽ መልከፍቲ ቫይረስኮሮና ኣመዝጊበን።

ኣብ ተመሳሳሊ መዓልቲ ኣብ ህንድን ኣሜሪካን ልዕሊ 1 ሺሕ ሞት ክምዝገብ እንከሎ ብራዚል ድማ 874 ሞት ኣመዝጊባ።

ብደረጃ ዓለም ኣሜሪካ፣ ህንድን ብራዚልን ብቅደም ሰዓብ ዝበዝሐ ቁፅሪ መልከፍቲ ኣመዝጊበን ዘለዋ ሃገራት’የን ተባሂለን።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.