Fana: At a Speed of Life!

ብኢራን ዝድገፉ ዕጡቓት ተቓወምቲ ኢራቕ ኣብ ልዕሊ ኤምባሲ ኣሜሪካ መጥቃዕቲ ኣብፂሖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ብኢራን ድጋፍ ዝግበረሎም ዕጡቓት ተቓወምቲ ኢራቕ ኣብ ልዕሊ ኣብ ባግዳድ ዝርከብ ኤምባሲ ኣሜሪካ መጥቃዕቲ ከምዘብፅሑ ተገሊፁ።

እቶም ተቓወምቲ፥ ኣሜሪካ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ልዕሊኦም ንዝፈፀመቶ ብነፈርቲ ዝተሓገዘ መጥቃዕቲ ዓፀፋዊ ምላሽ ንምሃብ ዓሊሞም እቲ መጥቃዕቲ ከምዝፈፀምዎ ተሓቢሩ።

ወተሃደራት ኤሜሪካ በቲ ዝበፅሐ መጥቃዕቲ ኣብ ቀፅሪ እቲ ኤምባሲ ንዝተወለዐ ባርዕ ንምጥፋእ ፃዕሪ ከምዝገበሩ ድማ ተገሊፁ።

ዋሽንግተን ኣብ ዝሓለፈ ሰምበት ኣብ ልዕሊ ብካታይብ ሂዝቦላህ ዝምራሕ ጉጅለ ዕጡቕ ብዝፈፀመቶ መጥቃዕቲ ብውሑዱ 25 ሰባት ሞይቶም ኢዮም።

ስለዝኾነ ኢራን ኤሜሪካ ንዝፈፀመቶ መጥቃዕቲ ዘውገዘት እንትትከውን፥ እቲ ጉጅለ ዕጡቕ በግድኡ ሕነ ከምዝፈዲ ኣተሓሳሲቡ ነይሩ።

ብመሰረት እዚ እቲ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ልዕሊ ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ባግዳድ ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ኣካል እቲ ሕነ ምፍዳይ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ፍልፍል፦ቢቢሲ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.