Fana: At a Speed of Life!

ብኢትዮጵያዊ መንእሰይ ዝተምሃዛ ክልተ ውፂኢታት ፈጠራ ድሮን ዕላዊ ኮይነን

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ሓምለ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ብኢትዮጵያዊ መንእሰይ ናኦል ዳባ ዝተምሃዛ ክልተ ውፂኢታት ፈጠራ ድሮንን መለክዒ መጠን ረስኒ ቫይረስ ኮሮናን ዕላዊ ኮይነን።

እተን ብመንእሰይ ዝተመሃዛ ውፅኢታት ፈጠራ፥ ንግልጋሎት ሕርሻን ዘፈር ኮሙዩኒኬሽንን ዝውዕላ ክልተ ድሮናትን ካብ ንኽክእ ኢድ ናፃ ዝኾነ መለክዒ መጠን ረስኒ ቫይረስ ኮሮናን ኢየን።

እተን ውፅኢታት ፈጠራ ንመንፀጊ ፀረ-ፃህያይን ኣብ ንሕብረተሰብ ብርሑቑ ሓበሬታ ንምብፃሕን ዘኽእላ ከምዝኾና ተገሊፁ።

በዓል ዋና ምህዞ መንእሰይ ናኦል ዳባ፥ እተን ውፅኢታት ፈጠራ ኢትዮጵያ ንዝጀመረቶ ጉዕዞ ምዕባለ ንምሕጋዝ ብዝብል ከምዘበርከተን ገሊፁ።

ዓምለኸ ስግኣተ ጥዕና ኮይኑ ዘሎ ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ንምክልኻል ነቶም መሳርሒታት ቅድሚያ ከምዝሃቦም እውን ኣብሪሁ።

እታ ንዓውዲ ሕርሻ ተገልግል መንፀጊት ፀረ-ፃህያ ድሮን 10 ሊትሮ ኬሚካል ናይ መሓዝ ዓቕሚ ዘለዋን ኣብ ሓደ እዋን 65 ሄክታር መሬት ምንፃግ ትኽእልን እንትትከውን፥ እዚ ድማ ጉልበት ሓይሊ ሰብ ዝንኪ ኢዩ ተባሂሉ።

እታ ካልአይቲ ውፅት ፈጠራ ድሮን ድማ ንማሕበረሰብ ሓበሬታ ብምብፃሕ ብዛዕባ ቫይረስ ኮሮና ግንዛበ ዝፈጥሩ መልእኽቲታት ንምምሕልላፍ ከምዝሕግዝ ተገሊፁ።

ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ ሲቪል ኣቪዬሽን ኮሎኔል ወሰንየለህ ሁነኛው፥ ኣብ ዓውዲ ድሮን ፍቓድ ዝህብ ኣሰራርሓ ከምዘይነበረ ተዛሪቦም።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ነቲ ኣሰራርሓ ዝፈቅድ ሕጊ ስለዝረቐቐ፥ በዓል ዋና ውፅኢት ፈጠራ መንእሰይ ናኦልን ካልኦት ነቲ መለክዒ ኣማሊኦም ዝተረኸቡ ሰባትን ፍቓድ ከምዝወሃቦም ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.