Fana: At a Speed of Life!

ብኣንፈት ምዕራብ ትግራይ ንሰብኣዊ ሓገዝ ዝኸውን መተሓላለፊ ኮሪደር ይከፈት ዝብል ድፍኢት ተቐባልነት የብሉን-ኣይተ ምትኩ ካሳ

ኣዲስ ኣበባ፣  27 ሓምለ፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ትግራይ ሰብኣዊ ሓገዝ ንዝደሊዩ ተሓገዝቲ ረድኤት ንምቕራብ ብዝብል ሓደ ሓደ ምዕራባውያንን ትካላቶምን ብኣንፈት ምዕራብ ትግራይ መተሓላለፊ ኮሪደር ይከፈት ዝብል ድፍኢቶም ተቐባልነት ከምዘይብሉ ኮሚሽነር ኮሚሽን ብሄራዊ ኣመራርሓ ስራሕን ሓደጋን ድልውነትን ኣይተ ምትኩ ካሳ ኣፍሊጦም።

እቲ ሓገዝ ብመንግስቲ ፌዴራልን ክልል ዓፋል ልዑል ፃዕሪ ንትግራይ ህዝቢ ይበፅሕ ከምዘሎ ገሊፆም።

መንግስቲ ዘመሓላለፎ በይናዊ ደው ምባል ተኹሲ ውሳነ ብዘይምቕባል ኣብ ክልል ኣምሓራን ዓፋርን ትንኮሳ ይፍፅም ዘሎ ኣሸባሪ ህወሓት፥ ነትግራይ ዝቐርብ ሓገዝ ዝፀዓና ልዕሊ 170 ተሽከርከርቲ ዓጊቱ ደው ብምፅንሑ ኣብቲ ክልል ዘለዉ ተሓገዝቲ ንልዑል ሓደጋ ተቓሊዖም ኢዮም ኢሎም።

ነዚ ከምፅቡቕ ኣጋጣሚ ብምጥቃም ሓደ ሓደ ምዕራባውያንን ትካላቶምን ካብ ሱዳን ብቐጥታ ሓገዝ ንምእታው ብዝብል ብኣንፈት ምዕራብ ትግራይ ንሰብኣዊ ሓገዝ ዝኸውን መተሓላለፊ ኮሪደር ይከፈት ዝብል ሕቶ ከምዘቕረቡ ሓቢሮም።

ይኹን እንበር መንግስቲ ንተሓገዝቲ ዘቕርቦ ሓገዝ መስመር ጅቡቲ እኹል ምዃኑ ብምግላፅ፥ ተወሳኺ ኮሪደር ከምዘይኸፍት ምግላፁን በዚ ፅኑዕ ቅዋም ከምዘለዎን ምግላፆም ኢ ፕ ድ ፀብፂቡ።

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.