Fana: At a Speed of Life!

ብኩባንያ ኣሜሪካ ዝፈረየ ክትባት ኮቪድ-19 ኣብ ናይ መወዳእታ ብርኪ ፈተነ ከምዝበፅሐ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሓምለ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሞደርና ዝተብሃለ ኩባንያ ኣሜሪካ ዘፍረዮ ክትባት ኮቪድ-19 ኣብ ደቂ ሰባት ንምፍታን ዘኽእሎ ብርኪ ፈተነ ምብፅሑ ተገሊፁ።

እቲ ኩባኒያ ባዮ ቴክኖሎጂ ዘፍረዮ ክትባት ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሓምለ ናብ ፈተነ ከምዝኣቱ እውን ኣፍሊጡ።

እቲ ኩባኒያ ኣብ ናይ መጀመርታ ፈተንኡ 45 ሰባት ዘሳተፈ እንትኸውን፥ ተሳተፍቲ እቲ ምርምር እቲ ቫይረስ ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ከምዝረኸቡ ተገሊፁ።

ኣብ ቀፃሊ ኣብ ዝካየድ ከይዲ ፈተነ ድማ 30 ሺሕ ሰባት ክሳተፉ ኢዮም ተባሂሉ ኣሎ።

እቲ ምርምር ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ክሳብ ጥቕምቲ 2022 ከምዝቕፅል እውን ተሓቢሩ።

ፍልፍል፦ ቢቢሲ


እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.