Fana: At a Speed of Life!

ብወ/ሮ ፊልሰን ኣብዱላሂ ዝተመርሐ ጉጅለ ብምኽንያት ምምላእ ማይ ሩባ ኦሞ ኣብ ወረዳ ዳሰነች ዝተመዛበሉ ወገናት ዑደት ኣካይዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ብሚኒሰስትር መናእሰይ፣ ደቂኣንስትዮን ህፃናትን ብምኽንያት ምምላእ ማይ ሩባ ኦሞ ኣብ ወረዳ ዳሰነች ዝተመዛበሉ ወገናት ዑደት ኣካይዱ።

ኣብ ዞባ ደቡብ ወረዳ ዳሰነች ሩባ ኦሞ ብምምልኡ ልዕሊ 62 ሺሕ ዜጋታት ካብ መረበቶም ተመዛቢሎም ኢዮም።

ሎሚ መዓልቲ ብወይዘሮ ፊልሰን ኣብዱላሂ ዝተመርሐ ጉጅለ ዝገበሮ ዑደት፥ ተመዛበልቲ ዝርከቡሉ ኩነታት ተዓዚቡ።

ኣበቲ ዑደት፥ ሓለፍቲ ስራሕ መናእሰይ፣ ደቂ ኣንስትዮን ህፃናትን ክልል ደቡብ፣ ኣርቲስታትን ኣባላት ዳያስፖራን ተሳቲፎም።

ወይዘሮ ፊልሰን ኣብዱላሂ ኣብቲ እዋን ዑደት ኣብ ዘመሓላለፈኦ መልእኽቲ፥ ኢትዮጵያውያን ኣብ እዋን ሓጐስ ይኹን ፀገም ዘለዎም ባህሊ ምትሕብባር ከደንፍዑ ይግባእ።

ካብ እዋናዊ ሰብኣዊ ሓገዛት ብተወሳኺ ተፈናቐልቲ ብዘልቒነት እግሪ ክተኽሉሉ ምግባር ከምዝግባእ እውን ኣተሓሳሲበን።

ኣብቲ ዑደት ዝተሳተፉ ኣርቲስታትን ኣባላት ዳያስፖራን ብግደኦም፥ ተመዛበልቲ ኣብ ምሕጋዝ ኩሉ ኢትዮጵያዊ ክተሓባበር ፃውዒት ኣቕሪቦም።

ህዝቢ ኣብ ምትሕብባር ከምዝሰርሑ ምግላፆም እውን ካብ ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን መንግስቲ ክልል ደቡብ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.