Fana: At a Speed of Life!

ብውሕጅ ዝተመዛበሉ ወገናት ምላሽ ይወሃብ ኣሎ – ብሔራዊ ኮሚሽን ኣመራርሓ ስራሕ ስግኣት ሓደጋ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ክልላት ብመሰረት ዘቕርበኦ ሕቶ ብውሕጅ ንዝተመዛበሉ ወገናት ምግቢን ምግቢ ተንከፍ ዘይኮኑን ሓገዛት እናቕረበ ምዃኑ ብሔራዊ ኮሚሽን ኣመራርሓ ስራሕ ስግኣት ሓደጋ ኣፍሊጡ።

እቲ ኮሚሽን ካብ ድርቂ ቀፂሉ ኣብ ኢትዮጵያ እናተፈጠረ ብዝርከብ ተርእዮ ሓደጋ ውሕጅ፤ ልዕሊ 290 ሺሕ ሰባት ካብ መረበቶም ከምዝተመዛበሉ ገሊፁ።

ዳይሬክተር ርክብ ህዝቢ እቲ ኮሚሽን ኣይተደበበ ዘውዴ፥ ብሔራዊ ኮሚሽን ኣመራርሓ ስራሕ ስግኣት ሓደጋ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ማዝያ ጀሚሩ ካብ ብሄራዊ ኤጀንሲ ሜቴዎሮሎጂን በዓል መዚ ተፋሰስ ልምዓትን ዝረኸቦ ሓበሬታ መሰረት ብምግባር ስራሕቲ ቅድመ መጠንቀቕታ እናሰርሐ ከምዝነበረ ገሊፆም።

ኣብ ዶጉዓ ከባቢታት ካብ ስሩዕ ንላዕሊ ዝኾነ ዝናብ ብምውቅዑ ኣብ መታሕት ከባቢታት ሓደጋ ውሕጅ ከስዕብ ከምዝኸኣለን ግድባት ክመልኡ ከምዝገበረ ተዛሪቦም።

መጠንቀቕታ ብመሃብ ካብቶም ግድባት ናይ ምፍሳስ ስራሕቲ ከምዝተሰርሐ እውን ኣብሪሆም።

ይኹን እመበር እቲ ዝወቕዐ ዝናብ ካብ መጠን ንላዕሊ ስለዝኾነ ኣብ ዝተፈላለያ ክልላት ሓደጋ ውሕጅ ኣጋጢሙ ብዙሓት ሰባት ካብ መረበቶም ንኽመዛበሉ ከምዝገበረ ገሊፆም።

እቲ ኮሚሽን ምስ መዳርግቲ ኣካላት ብምትሕብባር ብዝገበሮም ስራሕቲ ቅድመ መጠንቀቕታን ሓደጋ ምስተፈጠረ ብዝሃቦ ምላሽን ህይወት ደቂ ሰባት ምድሓን ከምዝተኽኣለ ኣገንዚቦም።

ንዝተጎድኡን ዝተፈናቐሉን ወገናት ድማ ክልላት ብዘቕርበኦ ሕቶ መሰረት ብምግባር ዘድሊ ሓገዝ እናተገበረ ይርከብ ኢሎም።

እቲ ኮሚሽን ካብ ፌዴራል ብተወሳኺ ኣብ ኣርባዕተ ክልላት ብዝተጣየሸ ማእኸል ዝተዋደደ ልውውጥ ሓበሬታ ንኽህሉን ሓደጋታት ናይ ምክልኻል ስራሕቲ እናተሰርሐ ከምዝኾነን እቶም ዳይሬክተር ገሊፆም።

ንዕቤት እታ ሃገር ዝምጥንስርዓት ኣመራርሓ ስራሕ ስግኣት ሓደጋ ብምዝርጋሕ ካብ ሓደጋ ዝተሓለወ ሕብረተሰብ ንምህናፅ ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ኩሉ ሕብረተሰብ ሓገዝ ክገብር ከምዘግባእ እውን ኣተሓሳሲቦም።

ሓደጋ ውሕጅ ብዘላቕነት ንምንካይ ስራሕቲ ልምዓት ምስራሕ ከምዝግባእ ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.