Fana: At a Speed of Life!

ብዘይሕጋዊ መገዲ ካብ ሀገር እናወፀአ ዝነበረ ልዕሊ 132 ሺሕ ዶላር ኣሜሪካ ኣብ ትሕቲ ቁፅር ውዒሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ብዘይሕጋዊ መገዲ ካብ ሀገር እናወፀአ ዝነበረ 132 ሺሕ ዶላር ኣሜሪካን 9 ነጥቢ 2 ኪሎ ግራም ዝምዘን ኮኬይን ዝተብሃለ መዐወኒ ሓሺሽን ኣብ ትሕቲ ቁፅር ምውዓሉ ቤሄራዊ ኣገልግሎት ሓበሬታን ድሕንነትን ኣፍሊጡ።

ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ ብቴክኖሎጂ ተሓጊዙ ብዝተገበረ ጥቡቕ ፍተሸን ክትትልን፥ ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ናይጄሪያ እናተጓዓዓዘ ዝነበረ 2 ነጥቢ 9 ኪሎ ግራም ኮኬይን ከምኡ እውን መዕለቢኡ ዚምባብዌ ዝገበረ 132 ሺሕን 860 ዶላር ኣሜሪካ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ከምዝወዓለ ኢዩ ዝተገለፀ።

ቤሄራዊ ኣገልግሎት ሓበሬታን ድሕንነትን ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣብ ዝለኣኾ መግለፂ፥ በቲ ዘይሕጋዊ  ተግባር ዝተጠርጠሩ ውልቀሰባት ኣብ ኢትዮጵያ ንመዓልቲታት ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት ምስ ሓሻኽሮም ርክብ ብምፍጣር ብሕቡእ እናተንቀሳቐሱ ምፀነሖም ኣፍሊጡ።

እቲ ኣገልግሎት ብዝገበሮ ጥቡቕ ክትትል ሓደ ናይጀሪያዊ ውቀሰብ 920 ግምታዊ ዋጋ 2 ነጥቢ 9 ኪሎ ግራም ኮኬይን ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ናይጄሪያ ሒዙ ንምጉዓዝ እንትፍትን ብቴክኖሎጂ ብዝተሓገዘ ፍተሻ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ክውዕል ተገይሩ ኢዩ።

ብኻሊእ መዳይ ሐደ ዜግነት ዚምባብዌ ዘለዎ ውልቀ ሰብ ካብ ኢኳቶሪያል ጊኒ ተበጊሱ 15 መስከረም 2013 ዓ.ም ናብ ኣዲስ ኣበባ ምስ ኣተወ፤ 16 መስከረም 2013 ዓ.ም 132 ሺሕን 860 ዶላር ኣሜሪካ ብዘይሕጋዊ መገዲ ብመሓዝ ናብ ዚምባብዌ ንምጉዓዘ እንትፍትን ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሉ ኢዩ።

በአገሪቱ እየተደረገ ካለው የገንዘብ ቅያሪ ጋር በተያያዘ የሚፈጸሙ ህገወጥ ድርጊቶችን ለመግታት በቅንጅት የሚሰራ ግብረሃይል መቋቋሙን ያስታወሰው ብሄራዊ መረጃና ደህንነት አገልግሎት፤ በተለያዩ የመግቢያ መውጫ ኬላዎች ጥብቅ፣ ተከታታይና በቴክኖሎጂ የታገዘ ክትትል እያደረገ እንደሚገኝ አስታውቋል፡፡

ኣብ ኢትዮጵያ እናተኻየደ ምስ ዝርከብ ምቕያር ገንዘብ ተተሓሒዙ ዝፍፀሙ ዘይሕጋዊ ተግባራት ንምግታእ ተዋዲዱ ዝሰርሕ ግበረ ሓይሉ ከምዝተጣየሸ ዝገለፀ እቲ ኣገልግሎት፥ ብዝተፈላለዩ መእተዊን መውፅኢን ኬላታት ጥቡቕ፣ ተኸታታሊን ብቴክኖሎጂ ዝተሓገዘን ክትትል እናገበረ ከምዝርከብ ኣፍሊጡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.