Fana: At a Speed of Life!

ብዘይ ገናሕቲ ትሰርሕ ተሸከርካሪት መመላለሲት ኣቐሑት ፈተነ ክትገብር ኢያ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ንመጀመርታ ግዘ ብዘይ ገናሕቲ ትሰርሕ ተሸከርካሪት መመላለሲት ኣቐሑት ኣብ ጎደናታት ኣሜሪካ ፈተነ ትገብረሉ ፍቓድ ረኺባ።

እታ ተሸከርካሪት ብዘይ ኣሽከርካሪ ወይ ድማ ሓገዝ ሰብ እንተይ ኣድለያ ግልጋሎት ክትህብ ኢያ ተባሂሉ።

ኑሮ ብዝተብሃለ ኩባኒያ ዝተሰርሐት እታ ተሸከርካሪተ፥ መራሒ ሓዊሱ ንምግናሕ ዘገልግሉ ከም መሪ፣ መውሀቢ ነዳዲ፣ ፍሬንን ቦታ መርአዪ መስትያት (ስፖኬ)ን ብዘይ ገናሒ ባዕላ ከምትጥቀም ተገሊፁ።

ሚኒስቴር ትራንስፖርት ኣሜሪካ እውን ኣታ ተሸከርካሪት ኣብ ቴክሳስ ፈተነ ንኽትገብር ፍቓድ ሂቡዋ ኣሎ።

ኣር 2 ዝብል ሽም ዝተውሃባ እታ ሓዳሽ ተሸከርካሪት መመላለሲት ኣቐሑት፥ ካልኣይ ትውልዲ ተሸከርካሪት እቲ ኩባኒያ ብምዃን ኣብ ሆስተን ቴክሳስ ፈተነ ከምትገበር ተገሊፁ።

ይኹን እምበር እታ ተሸርካሪት ኣብቲ እዋን ፈተነ ኣብ እትገብሮ ጉዕዞ፥ ካብ 25 ኪሎ ሜትሮ ብሰዓት ክበልፅ ከምዘይግባእ እቲ ሚኒስቴር ኣጠንቂቑ።

ፍልፍል፦ ቢቢሲ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.