Fana: At a Speed of Life!

ብዛዕባ ቫይረስ ኮሮና (ኮቪድ-19) ክትፈልጡዎም ዝግባእ ሓበሬታታት

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ዝርገሐ ኮቪድ-19 ኣብ 150 ሃገራት ዓለም በፂሑ ኣሎ።

ብምኽንያት እዚ ድማ ሰባት ብዛዕባ እዚ ሕማም ዘልዕሉዎም ሕቶታት እናወሰኹ መፂኦም ኢዮም።

ቢቢሲ ናይ ብዙሓት ሰባት ሕቶታት ኢዮም ብምባል ዘሰናድኦ ብዛዕባ ቫይረስ ኮሮና (ኮቪድ-19) ክፍለጡ ዝግበኦም ሓበሬታታትን መብርሂን እዞም ዝስዕቡ ይመስሉ።

መሸፈኒ ገፅ (ማስክ) እቲ ቫይረስ ንምክልኻል ይጠቅም ድዩ?

መሸፈኒ ገፅ ሕማም ኮቪድ-19 ኣብ ምክልኻል ዘለዎ ግደ ዝምልከት ዘሎ ሓበሬታ ድሩት ኢዩ።

ሰብ ሞያ ጥዕና ከም ዝብሉዎ ቀንዲ መከላኸሊ እዚ ለበዳ ውልቃዊ ፅሬት ምሕላው ብፍላይ ኢድካ ብፅሩይ ማይን ሳሙናን ምሕፃብ ከምዝግባእ ኢዩ።

ኢድና ኣፍና፣ ኣፍንጫናን ዓይንናን ቅድሚ ምትንካፍና ብግቡእ ክንሕፀብ ክዝግባእ ይምዕዱ።

እቲ ቫይረስ ማዕፆ ብምትንካፍ ክመሓላለፍ ይክእል ኢዩ፤ ንኽንደይ ዝኣክል ግዜ ኣብ ኢድና ይጸንሕ?

እቲ ቫይረስ ዘለዎ ሰብ፥ ኣብ ኢዱ ኣሀንጢሱ ወይ ስዒሉ ናይ ማዕፆ መትሐዚን ካልኦት ነገራትን እንተተንኪፉ እቲ ቫይረስ ናብቲ ዝተንከፎ ናውቲ ክሓልፍ ይኽእል።

ብፍላይ ድማ ማዕፆ ብዙሓት ሰባት ስለ ዝተናኽፉዎ ነዚ ሕማም ኣብ ምትሕልላፍ ዓብዪ ግደ ኣለዎ።

ሰብ ሞያ ከም ዝብሉዎ፥ ኮሮናቫይረስ ኣብ ዝተፈላለዩ ናውቲታት ንመዓልታት ብህይወት ፀኒሑ ናብ ሰባት ክመሓላለፍ ከምዝኽእል ኢዩ።

ብመሰረት እዚ በቲ ሕማም ከይንልከፍ ኢድና ብኣግባቡ ክንሕፀብ ይግባእ።

ኮሮናቫይረስ ብስጋዊ ርክብ ክመሓላለፍ ዶ ይኽእል?

ክሳብ ሕዚ እዋን እቲ ሕማም ብፆታዊ ርክብ ይመሓላለፍ’ዶ ኣይመሓላለፍን ዝብል ኣይተፈልጠን።

ብዕሊ ዝተፈለጡ፥ ምስዓል፣ ምህንጣስን እቲ ቫይረስ ዝዓረፈሎም ነገራት ምትንካፍን ኢዮም መተሓላለፊ መገዲታት ተባሂሎም ዘለው።

ኣብ መንጎ ሰዓልን ቫይረስ ኮሮናን ዘሎ ኣፈላላይ እንታይ ኢዩ?

ክልቲኦም ሕማማት ዘርእዩዎም ተመሳሰልቲ ምልክታት ስለዘለዉ ብቐሊሉ ንምፍላይን ንምምርማርን ኣጸጋሚ ኮይኑ ኣሎ።

ኮሮናቫይረስ ካብ ሰዓል ንምፍላይ፥ ኣብቶም ምልክታቱ ከነተኩር ይግባእ፤ ረስንን ሓያል ደረቕ ሰዓልን እንተኾይኑ ቫይረስ ኮሮና ክኸውን ይኽእል ኢዩ።

ሰዓል ግን ናይ ጎሮሮ ሕማም ሓዊሱ ካልኦት ምልክታት ዘርኢ ኮይኑ፥ ቫይረስ ኮሮና ድማ ሕጽረት ምስትንፋስ የስዕብ።

ኮሮናቫይረስ ካብ ሰዓል ዝያዳ ድዩ ዝመሓላለፍ?

ክልቲኦም ሕማማት ንምንፅፃር ግዚኡ ገና ዋላ’ኳ እንተኾነ፥ ክልቲኦም ቫይረሳት ግን ብዝለዓለ ደረጃ ናይ ምትሕልላፍ ተኽእሎ ኣለዎም።

ሓደ ብቫይረስ ኮሮና ዝተለኸፈ ሰብ፥ ብማእከላይ ናብ ክልተ ወይ ሰለስተ ሰባት ከሕልፍ ይኽእል፤ ሰዓል ዝሓዞ ሰብ ግን እቲ ሕማም ናብ ሓደ ሰብ ጥራሕ ኢዩ ከሕልፍ ተኽእሎ ዘለዎ።

ክልቲኦም ግን ካብ ሰብ ናብ ሰብ ዝመሓላለፍሉ መገዲ ቀሊል ኢዩ።

ቫይረስ ኮሮና ዘለዎ ሰብ ብዘዳለዎ መግቢ  ይሓልፍ ?

ሕማም ኮሮናቫይረስ ዘለዎ ሰብ መግቢ እንተዳሉ ግቡእ ናይ ፅሬት ጥንቃቐ እንድሕር ዘይገይሩ ናብ ካልእ ሰብ ናይ ምምሕላላፍ ተኽእሎኡ ዝለዓለ ከምዝኾነ ይግለፅ።

ዝርግሐ እቲ ቫይረስ ንምዕጋት፥ መግቢ ቅድሚ ምድላውና ኾነ ቅድሚ ምምጋብና ኢድና ብማይን ሳሙናን ክንሕጸብ ይግባእ።

እዚ ሕማም ኣብ ዝተርኣየለን ሃገራት ዝነብሩ ሰባት በቲ ቫይረስ ናይ ምልካፍ ዕድሎም ንምንካይ ምስ ሰብ ዝህሉ ምትንኻፍ ክንክዩ ከምዝግባእ ሰብ ሞያ ሕክምና ይምዕዱ።

ዝተፈላለዩ ሰባት ዝተናኽፉዎም ነገራት ካብ ምትንካፍ እውን ክቑጠቡ ኣለዎም።

ጎድና ጎድኒ ድማ ኢድካ ብማይን ሳሙናን ምሕፃብ ወይ ድማ ፈሳሲ መሐለዊ ንጽህና “ሳኒታይዘር” ብምጥቃም ኢድካ ምፅራይ።

ብተወሳኺ ምስ ዝስዕሉን ዘሀንጥሱን ከምኡ እውን ረስኒ ምስ ዘለዎም ሰባት ዝህልወና ቅርበትን ምትንኻፍን ምውጋድ በቲ ቫይረስ ናይ ምትሓዝ ዕድልና ክንኪ ይኽእል ኢዩ።

በቢግዚኡ ዝህሉ ለውጢ ኩነታት ኣየር እቲ ሕማም ኣብ ምግፋሕ ዝህልዎ ፅልዋ ብዝምልከት ግን ክሳብ ሕጂ ዝተፈልጠ ነገር የለን።

ከም ሰዓል ዝበሉ ቫይረሳት፡ ዝለዋወጥ ኩነታት ኣየር ስዒቦም ዝመጽኡ እኳ እንተኾኑ፥ ቫይረስ ኮሮና ብዝምልከት ግን እዙይ ኢዩ ዝብሃል ዝተረጋገፀ መረዳእታ የለን።

ዓሌት ኮሮናቫይረስ ዝኾነ ‘መርስ’ ተባሂሉ ዝፍለጥ ቫይረስ፥ እቲ ሕማም ዋዒ እንትህሉ ብሰፊሑ ናይ ምርኣይ ባህሪ ከም ዘለዎ ይግለፅ።

ፍልፍል፦ ቢቢሲ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.