Fana: At a Speed of Life!

ብጀነራል ብርሃኑ ጁላ ዝተመርሐ ላዕለዋይ ጉጅለ ልኡኽ ሚኒስቴር ምክልኻል ፌዴሪኢ ኣብ ሕቡራት ዓረብ ኢሚሬታት ዓረብ ዑደት እናገበረ ይርከብ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ለካቲት፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ብላዕለዋይ ኢታማዡር ሹም ሓይሊታት ጦር ፌዲሪኢ ብጀነራል ብርሃኑ ጁላ ዝተመርሐ ላዕለዋይ ጉጅለ ልኡኽ ሚኒስቴር ምክልኻል ፌዴሪኢ ኣብ ሕቡራት ዓረብ ኢሚሬታት ዓረብ ዑደት እናገበረ ይርከብ።

ኢታማዡር ሹም ጀነራል ብርሃኑ ጁላ፥ ምስ ውሲ ወምበርን ምክትል ላዕለዋይ ኣዛዚ ሓይሊታት ጦርን ሕቡራት ዐሚረታት ዓረብ ልዑል ሼኽ መሐመድ ቢን ዛይድ ኣል ናህያን ተራኺቦም ካብ ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ዝተለኣኸ መልእኽቲ ኣብፂሖም፡፡

ጀነራል ብርሃኑ ኣብቲ እዋን ከምዝበሉዎ፥ ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ሕቡራት ዒሚረታት ዓረብን ዘሎ ርክብ ብኩሉ ዘፈር እናተጠናኸረ ከም ምምፅኡ መጠን፤ ኣብ ትካላት ምክልኻል ክልቲአን ዘሎ ርክብ እውን ብኡ ልክዕ ዝተጠናኸረ፣ ኣድማስ ምትሕብባር እውን እናሰፍሐ መፂኡ ኢዩ፡፡

ልዑል ሼኽ መሐመድ ቢን ዛይድ ኣል ናህያን ብግደኦም፥ ካብ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ዝተለኣኸሎም መልእኸቲ ምስተቐበሉ ርክብ ክልቲአን ሃገራት ንህዝቢታት ክልቲአን ሃገራት ተረባሕቲ ስለዝገብር ሃገሮም ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ርክብ ብዝበለፀ እናተጠናኸረ ንኽኸይድ ቆራፅ ቅዋም ከምዘለዋ ተዛሪቦም።

ብመሰረት እዚ ክልቲአን ሃገራት ብኢኮኖሚ፣ ትምህርቲን ቴክኖሎጂን፣ ዓውዲ ፀፅታን ድሕንነትን፣ ከምኡ እውን ወታደራዊ ርክባት ብዝበለፀ ንኽጠናኸር ብወገን ሕቡራት ዒማራት ዓረብ ዘሎ ቆራፅነት ብፅራሕ ናይ ባዕሎም ፃዕሪ ከምዝገብሩ ገሊፆም፡፡

ክልቲኦም ሓለፍቲ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካ ብዛዕባ ዘሎ እዋናዊ ኩነታትን ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ ብዛዕባ ዝተኻየደ ወፍሪ ምኽባር ሕጊን ኣብዚ ሕዚ እዋን ብዛዕባ ዝርከበሉ ኩነታትን ኣድሂቦም ተዛቲዮም፡፡

ጀነራል ብርሃኑ ጁላ ኣብ ዝቕፅሉ መዓልቲታት ምስ ሚኒስትር ምክልኻል ሕቡራት ዒሚረታት ዓረብን ምስ ላዕለዋይ ኢታማዡር ሹም ሓይሊታት ጦር እታ ሃገርን ከምዝዛተዩ ካብ ኤምባሲ ኢትጵያ ኣብ ሕቡራት ዒሚረታት ዓረብ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.