ብፍቕሪን ሓድነትን ብምስላፍ ንሰላምን ምዕባለን ሃገር ትፅቢት ዝግበረልና ክንፍፅም ይግባእ-ብፁእ ወቅዱስ ኣቡነ ማትያስ
ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ጥሪ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኩላህና ብፍቕሪን ሓድነትን ብምስላፍ ንሰላምን ምዕባለን ሃገር ትፅቢት ዝግበረልና ክንፍፅም ይግባእ ክብሉ ቀዳማዊ ፓትርያርክ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዘ ኢትዮጵያ ሊቀ ጳጳስ ዘኣክሱም ወእጨጌ ዘመንበረ ተክለሃይማኖት ብፁእ ወቅዱስ ኣቡነ ማትያስ ገሊፆም።
ብፁእ ወቅዱስ ኣቡነ ማትያስ በዓል ጥምቀት ንዘኽብሩ ምእመናን ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ወዲ ሰብ ዘላቒ ህይወት ዝረክብ ፈሪሃ እግዚኣብሄር እንትህልዎ ኢዩ ኢሎም።
ኣብዚ ሐዚ እዋን ፈጣሪ ካብ ደቂ ሰባት ትፅቢት ዝገብሮ እወንታዊ ስብእና ብመንፅር ምህላው ዝረአዩ ፀገማት ንወዲ ሰብ ናብ ሓደጋ እንተቃልዕዎ ምርኣይ ይልመድ ከምዘሎ ሓቢሮም።
ስለ ዝኾነ ኩሉ ሰብ ደው ኢሉ ብዛዕባ ሰላም ክሓስብ ከምዝግባእ ምዒዶም።
ብፍቕሪን ሓድነትን ብምስላፍ ንሰላምን ምዕባለን ሃገር ትፅቢት ዝግበረልና ክንፍፅም ይግባእ እውን ኢሎም።