Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኢትዮጵያ 28 ሰባት ብቫይረስኮሮና ህይወቶም እንትስእኑ 707 ሰባት ድማ በቲ ቫይረስ ተለኺፎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ሓምለ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ናይ ትማሊ ፀብፃብ 24 ሰዓታት 28 ሰባት ብምኽንያት ቫይረስ ኮሮና ህይወቶም ከምዝሓለፈ ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ።

ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ ኣብ ማሕበራ ሚዲያ ፌስቡክ ገፀን ከምዝፀሓፈኦ፥ ትማሊ ኣብ ልዕሊ 7 ሺሕን 607 ሰባት ብዝተገበረ ምርመራ ላቦራቶሪ ብቫይረስኮሮና ዝተተሓዙ ተወሰኽቲ 707 ሰባት ተረኺቦም።

ብመሰረት እዚ ኣብ ኢትዮጵያ በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት ቁፅሮም ናብ 18 ሺሕን 706 ኢሉ ኣሎ።

ካብዚኦም እቶም 10 ሺሕን 304 ሰባት ክትትል ሕክምና ይግበረሎም ኣሎ ክብላ ዶክተር ሊያ ገሊፀን።

ኣብዚ ሐዚ እዋን 153 ሰባት ኣብ ክፍሊ ክንክን ዘድሊዮም ብፅኑዕ ዝሓመሙ ከምዘለዉ እውን ኣብሪሀን።

ትማሊ 406 ሰባት ካብቲ ሕማም ዝደሓኑ እንትኾኑ፥ ብድምር ኣብ ኢትዮጵያ ካብቲ ቫይረስ ዝደሓኑ ሰባት ቁፅሮም 7 ሺሕን 601 በፂሑ ኣሎ።

ኣብ ናይ ትማሊ ፀብፃብ 24 ሰዓታት 28 ሰባት ብሰንኪ እቲ ቫይረስ ህይወቶም ከምዝሰኣኑን ብሓፈሻ በቲ ቫይረስ ህይወቶም ዝሰኣኑ ሰባት 310 ከምዝበፅሐን ተሓቢሩ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.