Fana: At a Speed of Life!

ብ6 ሚሊየን ዩሮ ሓገዝ ዝትግበር ኣብ ልምዓት ሆልቲካልቸር ትኹረቱ ዝገበረ ፕሮጀክት ዕላዊ ኮይኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ለካቲት፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ብ6 ሚሊየን ዩሮ ሓገዝ ዝትግበር ኣብ ልምዓት ሆልቲካልቸር ማለት እውን ኣብ ልምዓት ኣትክልቲን ፍረምረን ትኹረቱ ዝገበረ ፕሮጀክት ዕላዊ ኮይኑ።

ማእኸል “ወርልድ ቬጅቴብል” ምስ ትካል ልምዓት ኔዘርላንድ ብምትሕብባር ዘዳለዎ ኣብ ሓሙሽተ ዓማውቲ ስትራቴጂክ ልምዓት ኣትክልቲ ዘዝቲ ዓውደ መፅናዕቲ ይሳለጥ ኣሎ።

ኣብቲ መድረኽ ኣብ ዝቕፅሉ ሓሙሽተ ዓማውቲ ብኢትዮጵያን ኬንያን ዝትግበር “ኣትክልቲ ንሰባትን ንዓለምናን” ዝተብሃለ ፕሮጀክት ልምዓት ሆልቲካልቸር ዕላዊ ተገይሩ።

ኣብ ከባቢ ከተማታት ኣዲስ ኣበባን ናይሮቢን ዘለዉ ስራሕቲ ኣትክልቲን ፍረምረን ዝትግበር እቲ ፕሮጀክት፥ ኣብ ዙሪያ እተን ከተማታት ዘለዉ ሓረስቶት፣ መናእሰይን ደቂ ኣንስትዮን ተረባሕቲ ከምዝገብር ተወካሊ ማእኸል ወርልድ ቬጅቴብል ኢትዮጵያን ኬንያን ዶክተር ሩትኸር ገሊፆም።

እቲ ፕሮጀክት ኣብ ንኡሽተይ ቦታ ኣትራፊ ፍርያት ምርካብ ምርካብ ዘኽእል ሜላ ኣፈራርያ፣ ዓይነታት ኣዝርእቲን ምትእስሳር ዕዳጋን ንተጠቀምቲ ከምዝፈጥር ገሊፆም።

ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ ዓማውቲ ዝትግበር እቲ ፕሮጀክት፥ ኣብ ዙሪያ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዘለዉ 2 ሺሕን 400 ሓረስቶት በቲ ፕሮጀክት ቀጥታ ተሳተፍቲ ከምዝኾኑን ን1 ሺሕን 600 መናእሰይን ደቂ ኣንስትዮን ዕድል ስራሕ ከምዝፈጥርን እውን ኣብሪሆም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.