Fana: At a Speed of Life!

ቦርድ መረፃ ኣብ ሃገራዊ መፅናዕቲ ኣሳታፋይነት ስርዓተ ፆታ ፓርቲታት ፖለቲካ ዝምልከት ምስ ሲቪክ ማሕበራት ይዛተ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 6 ጥሪ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ኣብ ሃገራዊ መፅናዕቲ ኣሳታፋይነት ስርዓተ ፆታ ፓርቲታት ፖለቲካ ዝምልከት ምስ ሲቪክ ማሕበራት ይዛተ ኣሎ።

ዝቕፅል ሃገራዊ መረፃ ስዒቡ ድማ ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኣብ ፖለቲካን መረፃን ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ንምዕባይ እናሰርሐ ከምዝርከብ ተገሊፁ፡፡

ነዙይ ስዒቡ እቲ ቦርድ ካብ ዝተፈላለዩ መዳርግቲ ኣካላትብምዃን ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ውሽጢ ፓርቲ ዘለወን ተሳትፎን ፓርቲታት ብዛዕባ ስርዓተ-ፆታ ዘለዎም ሰነዳት ዝተመልከተ መፅናዕቲ ገይሩ።

ምክትል ኣካቢ እቲ ቦርድ ኣይተ ውብሸት ኣየለ እቲ መፅናዕቲ ኣብ ውሽጢ ፓርቲታት ልዑል ዝኾነ ክፍተት ስርዓተ-ፆታ ከምዘሎን ደቂ ኣንስትዮ ኣብ መድረኽ ፖለቲካ ዘለወን ተሳትፎ ዝተሓተ ከምዝኾነ ዘርኢ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ኣብቲ መፅናዕቲ 70 ዝኾኑ ፓርቲታት ፖለቲካ ዝተካተቱ እንትኾኑ፥ ደቂኣንስትዮ ብኣባልነት ንምምልማል ከምኡ እውን ኣብ ውሽጢ ውሳነ ወሃባይነት ውዳበ ፓርቲ ቦታ መሓዝ ክግበር ዝኽእል ኣብ ፆታ ዝተመስረተ ኣድልዎ ብግልፂ ዝኸልከሉ 6 ፓርቲታት ጥራሕ ኢዮም።

እቲ መፅናዕቲ ካብ ዘሳተፎም 70 ፓርቲታት እቶም 21 ጥራሕ ኢዮም ኣብ ውሽጢ ኮሚቴታት ውዳበ ፓርቲ ክእትዉ ክኢሎምዘለዉ።

ካብ ሞንጎ እዞም ፓርቲታት ሓደ ፓርቲ ጥራሕ ጓል ኣንስተይቲ መራሒት ከምዘለዎ ዝተገለፀ እንትኸውን፥ ሓደ ፓርቲ ድማ ምክትል መራሒት ከምዘለዎ ተሓቢሩ።

ዋላኳ 90 ሚኢታዊ ዝኾኑ ፓርቲታት ሓደ ዓይነት ማዕርነት ስርዓተ ፆታ ወይ ድማ መሰል ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ሰነዳቶም የካትቱ እምበር 15 ዝኾኑ ጥራሕ ኣብ ውሽጢ ፓርቶም ጉዳያት ስርዓተ-ፆታ ንምፍታሕ ዘኽእል ውዳበ ዘለዎም ተባሂሉ።

እቶም ምክትል ኣካቢ እዘቲ መፅናዕቲ መሰረት ብምግባር ሲቪክ ማሕበራት ቁፅሪ ደቂ ኣንስትዮ ፖለቲከኛታትን ኣብ ውሽጢ ርቲታት ኣብ ምሃብ ኣመራርሓ ዝህልወን ተሳትፎ ንምዕባይ ክሰርሑ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም።

ብዘመን በየነ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.