Fana: At a Speed of Life!

ቫይረስኮሮና ንምክልኻል ሓገዝ ንዝገብሩ ሰብ ሞያ ጥዕናን ካልኦት ሰብ ሞያን ሽፋን መድሕን ህይወት ክግበረሎም ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 01 ግንቦት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ቫይረስኮሮና ንምክልኻል ሓገዝ ንዝገብሩ ሰብ ሞያ ጥዕናን ካልኦት ሰብ ሞያን ሽፋን መድሕን ህይወት ንምሃብ ዘኽእል ሰነድ ስምምዕነት ተፈሪሙ።

ኣብቲ ሰነድ ስምምዕነት ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰን ዋና ኣፈፃሚ ስራሕ ትካል መድሕን ኢትዮጵያ ኣይተ ነፃነት ለሜሳን ክታሞም ኣምቢረሙሉ።

ብመሰረት እቲ ስምምዕነት ኣብ ትካላት ጥዕና ዝሰርሑ ሰብ ሞያ ጥዕናን ካልኦት ሰብ ሞያን ሽፋን መድሕን ህይወትን ሓደጋን ክግበረሎም ኢዩ።

ነዚ እውን ኣብ ፈሊኻ መፅንሒ፣ ኳራንቲን፣ ማእኸል ምርመራ ላቦራቶሪ፣ ጉጅለ ህፁፅ ሓገዝ፣ ሃንደበታዊን ካልኦት ክፍሊን ንዝሰርሑ ሰብ ሞያታት ዘካተተ ኢዩ ተባሂሉ።

ብተወሳኺ እውን ኣብ ፅርየት ዝተዋፈሩ/ራ፣ ገናሕቲ ኣንቡላንስን ካልኦት “ፊት ንፊት” ዝሰርሑ ሰብ ሞያን በቲ መድሕን ህይወት ተረባሕቲ ከምዝኾኑ ካብ ሚኒስቴር ጥዕና ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.