Fana: At a Speed of Life!

ቫይረስ ኮሮና ኣዶታት ንደቀን ፀባ ጡብ ካብ ምጥዋብ ከምዘይእግደን ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ሓምለ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ለበዳ ሕማም ቫይረስ ኮሮና ኣዶታት ንደቀን ፀባ ጡብ ካብ ምጥዋብ ከምዘይእግደን ሚኒስቴር ጥዕና ፌዴሪኢ ኣፍሊጡ።

መበል 28 ዓለም ለኸ መዓልቲ ምጥዋብ ጡብ ኣዶ “ንጥዕና ሃገር ምጥዋብ ጡብ ኣዶ ንሓግዝ” ብዝብል መሪሕ ቃል ካብ 25 ሓምለ ክሳብ 1 ነሓሰ 2012 ዓ.ም ክኽበር ኢዩ።

ኣብ ኣከባብራ እቲ በዓል ኣድሂቡ ንጋዜጠኛታት መድረኽ መዕበዪ ግንዛበ ዘዳለወ ሚኒስቴር ጥዕና፥ እቲ በዓል ኣብ ኢትዮጵያ ንመበል 12 ግዘ ከምዝኽበር ኣፍሊጡ።

ኣብቲ ሚኒስትር ዳይሬክተር ኣዶታትን ህፃናትን ዶክተር መሰረት ዘላለም፥ ዝተወሰና ኣዶታት ብምኽንያት ስግኣት ቫይረስ ኮሮና ንደቀን ዝተዓሸገ ፀባ እናስተያ ከምዝኾና ተዛሪበን።

ይኹን እምበር ክሳብ ሕዚ ብስግኣት ቫይረስ ኮሮና ኣዴታት ንደቀን ጡብ ከየጥውባ ዝብል መፅናዕቲ ኣይተረኸበን ምባለን ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.