Fana: At a Speed of Life!

ተረፍመረፍ ጁንታ ናብ ሕጊ ናይ ምቕራብ ስራሕ ተጠናኺሩ ይቕፅል ኣሎ- ሜ/ጀ መሐመድ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ጉጅለ ጁንታ ህወሓት ኣብ ልዕሊ ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል እዚ ሰሜን ዘብፅሖ መጥቃዕቲ ስዒቡ ዝተገበረ ምኽባር ሕጊ እንተተዛዘመ እውን ተረፍመረፍ እቲ ጁንታ ናብ ሕጊ ናይ ምቕራብ ስራሕ ተጠናኺሩ ይቕፅል ከምዘሎ ዋና ዳይሬክተር ኢንዶክትሪኔሽን ምክልኻል ሃገር ሜጀር ጄኔራል መሐመድ ተሰማ ገሊፆም።

ሜጀር ጄኔራል መሐመድ ተሰማ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፥ ብሕጊ ዝድለዩ ኣባላት እቲ ጁንታ ናይ ሓሶት ሓበሬታ ብውሽጢ ዓዲን ወፃኢን ሚዲያታት ብምውዛዕ ሕብረተሰብ የደናግሩ ጀምዘለዉ ተዛሪቦም።

እቲ ጉጅለ እንተተደምሰሰ እውን እቶም ተረፍመረፍ መናእሰይ እናገደዱ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እዛ ሃገር ሰላም የናግዑ ከምዘለዉ ሓቢሮም።

እቶም ተረፍመረፍ ንፁሃን እናቐተሉ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር መጥቃዕቲ ከምዝፈፀመ ንምምሳል ዝነዝሕዎ ፕሮፓጋንዳ ከምዝቐፀለ ኢቢሲ ፀብፂቡ።

ስለዝኾነ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር  ኣብ ልዕሊ እቶም ተረፍመረፍ ስጉምቲ ይወስድ ከምዘሎ ገሊፆም።

ህዝቢ ትግራይ ንሰራዊት ምክልኻል ሃገር ዝገብሮ ደገፍ ኣጠናኺሩ ከምዝቐፀለ እውን ሓቢሮም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.