Fana: At a Speed of Life!

ተቛሪፁ ዝነበረ ሰለስተኣዊ ድርድር ግድብ ህዳሰ ሎሚ መዓልቲ ክቕፅል ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ሓምለ፣ 2012(ኤፍ ቢ ሲ)ብሕብረት ኣፍሪካ ዝምራሕን ንግዚኡ ተቛሪፁ ዝነበረን ሰለስተኣዊ ድርድር ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ሎሚ መዓልቲ ከምዝቕፅል ሚኒስቴር ማይ፣ መስኖን ኢነርጂን ኣፍሊጡ።

ሚኒስቴሩ እንደገለፀውም በአፍሪካ ህብረት መሪነት ለ11 ቀናት ሲካሄድ ቆይቶ ከሁለት ሳምንታት በፊት የተቋረጠው የታላቁ ሕዳሴ ግድብ የሶስትዮሽ ድርድር ከሳምንት በፊት ሊቀጥል የነበረ ቢሆንም በሱዳን በኩል በቀረበው ለአንድ ሳምንት የይዘግይልኝ ጥያቄ መሠረት ለአንድ ሳምንት ዘግይቷል፡፡

እቲ ሚኒስትር ከምዝገለፆ፥ ብመሪሕነት ሕብረት ኣፍሪካ ን11 መዓልቲ ክካየድ ፀኒሑ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ዝተቛረፀ እቲ ሰለስተኣዊ ድርድር ድሕሪ ሓደ ሰሙን ንኽቕፅል ኢዩ ተሓሲቡ ነይሩ።

ይኹን እምበር ብወገን ሱዳን ዝቐረበ ንሓደ ሰሙን ይናወሐለይ ሕቶ መሰረት ብምግባር ሓደ ሰሙን ክድንጒ ከምዝተገበረ እቲ ሚኒስቴር ገሊፁ።

ስለዝኾነ ድማ እቲ ተቛሪፁ ዝነበረ ድርድር ካብ ሎሚ መዓልቲ ድሕሪ ሰዓት ጀሚሩ ንዝቕፅል ሓደ ሰሙን ከምዝካየድ ተሓቢሩ።

እቲ ኣብዚ ሰሙን ዝሳለጥ ድርድር ቅድም ክብል ካብ ዝተኻየደ ናይ 11 መዓልቲ ድርድር ንመራሕቲ ዝቐረበ ሰነድ መሰረት ብምግባር እቶም መራሕቲ ብዘቐመጡዎ ኣንፈት ዝቕፅል ከምኾነ ተገሊፁ።

ኢትዮጵያ ከም ቀደማ ኣብ ፍትሓዊን ምኽንያታዊ ተረባሕነትን ዝተመርኮዘ፤ ንኹሉ ወገን ዝረብሕ ድርድር ብምግባር ንምዝዛም ከምትሰርሕ እቲ ሚኒስቴር ኣፍሊጡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.