Fana: At a Speed of Life!

ተወለድቲ ወረዳ ኢሮብ ነበርቲ ሃገረ እስራኤል ብር 1 ሚልየን ዝተገዝአት ኣምቡላንስ ለጊሶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ተወለድቲ ወረዳ ኢሮብ ጣብያ እንዳልገዳ ዝኾኑ ነበርቲ ሃገረ እስራኤል ብር 1 ሚልየን ዝተገዝአት ኣምቡላንስ ሓገዝ ከም ዝገበሩ ቤት ፅሕፈት ርክብ ህዝብን መንግስትን ዞባ ምብራቕ ትግራይ ገሊፁ።

እታ ኣምቡላንስ ተላባዲ ሕማም ቫይረስኮሮና ንምክልኻል እትውዕል ኢያ ተባሂሉ።

ኣብቲ ስነስርዓት ኣቀባብላ ኣፈ ጉባኤ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ኣይተ ሩፋኤል ሽፋረ፣ ሓላፊ ቢሮ ጥዕና ክልል ትግራይ ዶ/ር ሓጎስ ጎዶፋይን ካልኦት ሓለፍትን ተረኺቦም።

ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ቀይሕ መስቀል ዞባ ምብራቕ ትግራይ ኣይተ ብርሃነ ኣለም፥ ነታ ኣምቡላንስ 190 ተወለድቲ ጣብያ እንዳልገዳ ብዝገበርዎ ሓገዝ ዝተገዝአት ከምዝኾነት ተዛሪቦም።

እቲ ዝተገበረ ድጋፍ ብርክት ዝበለ ማሕበራዊ ፀገም እቲ ከባቢ ክፈትሕ ከምዝኽእል ሓቢሮም።

ተላባዲ ሕማም ቫይረስኮሮና ንምክልኻል ተወለድቲ ትግራይ ዝሰርሕዎ ዘለዉ ሰናይ ተግባር ተጠናኺሩ ንክቕፅል ብመንግስቲ መዳይ ድማ ዝከኣሎ ኩሉ ከም ዝገብር ኣይተ ብርሃነ ገሊፆም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.