Fana: At a Speed of Life!

ቱርኪ ንፈለማ እዋን ሙሉእ ዕፅዋ ምንቅስቓስ ክተንብር ኢያ ተባሂሉ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 21 ሚያዝያ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቱርኪ ብምኽንያት ምስፍሕፋሕ ኮቪድ-19 ንፈለማ እዋን ሙሉእ ዕፅዋ ምንቅስቓስ ክተንብር ኢያ ተባሂሉ።

መንግስቲ እታ ሃገር፥ ዝርገሐ እቲ ቫይረስ ንምግታእን መጠን ሞት ንምንካይን ብዝብል ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሩ ሙሉእ ዕፅ ምንቅስቓስ ከምዘንብር ኣፍሊጡ፡፡

ነዚ ስዒቡ ድማ ኣብዚ ሕዚ እዋን ጎደናታትን ማዕኸል ዕዳጋታትን እታ ሃገር ብሰባት ከምዝተጨናነቓ ተገሊፁ።

ዝተወሰኑ ሰባት ካብ ከተማ ኢንስታንቡል ንምውፃእ ናብ ኣውቶቡስ መናሃሪያታት እንትውሕዙ፣ ፍርቆም ድማ ክህሉ ይኽአል ኢዩ ዝተብሃለ ዕፅዋ መስተ ብምሕሳብ ኣልኮላዊ መስተታት እንትገዝኡ ተራኢዮም፡፡

ቱርኪ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ነቲ ለበዳ ኣቐዲማ ኣብ ምክልኻል ዝተሳኸዐላ ሃገር እንትትከውን፥ ውድብ  ጥዕና ዓለም እውን ንዕዉት ስራሓ ኣፍልጦ ሂቡዋ ነይሩ፡፡

ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ኣብ መዓልቲ ልዕሊ 60 ሺሕ ሓደሽቲ ሰባት በቲ ለበዳ ቫይረስ እንትተሓዙ፥ ልዕሊ 300 ሰባት ድማ ህይወቶም ሓሊፉ ተባሂሉ።

ፍልፍል፡- ቢቢሲ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.