Fana: At a Speed of Life!

ታሪኽ ናፅነት 3 ሺሕን 500 ዓመታት ዘለዋ ኢትዮጵያ ዜጋታታ ተረባሕቲ ንምግባር ኣብ ክሊ ዶባ ዝኾነ ይኹን ነገር ናይ ምስራሕ መሰል ኣለዋ- ምክትል ሚኒስትር ድሕንነት ህዝቢ እስራኤል

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ምክትል ሚኒስትር ድሕንነት ህዝቢ እስራኤል ጋዲ ይቫርከን፥ ታሪኽ ናፅነት 3 ሺሕን 500 ዓመታት ዘለዋ ኢትዮጵያ ዜጋታታ ተረባሕቲ ንምግባር ኣብ ክሊ ዶባ ዝኾነ ይኹን ነገር ናይ ምስራሕ መሰል ኣለዋ ኢሎም።

ትውልደ ኢትዮጵያዊ ምክትል ሚኒስትር ድሕንነት ህዝቢ እስራኤል ጋዲ ይቫርከን፥ ምስ ህንፀት ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ብዝተተሓሓዘ መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።

እቶም ምክትል ሚኒስትር ኣብ ዘመሓሓለፍዎ መልእኽቲ፥ ፕሬዚዳንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ህዳሰ ግድብ ኣመልኪቶም ዝገበርዎ ዝርርብ ቁጠዐ ከምዝፈጠረ ገሊፆም።

ኢትዮጵያን ግብፅን ጥንታዊ ህዝብታት ዝሓዛ ምውዳቕን ምትሳእን ዝረኣያ ግዙፋት ሃገራት ከምዝነበራ ዝሓበሩ ጋዲ ይቫርከን፥ ሐዚ እውን ብዓወት ዝነብራ ጎረባብቲ ሃገራት ከምዝኾና ኣብሪሆም።

ኢትዮጵያ ታሪኽ ናፅነት 3 ሺሕን 500 ዓመታት ዝወነነት ብሕታዊት ሃገር ከምዝኾነት ብምግላፅ፥ ናፃ ሃገር ዜጋታታ ተረባሕቲ ንምግባር ዘኽእል ስራሕ ኣብ ክሊ ዶባ ዝኾነ ይኹን ነገር ናይ ምስራሕ መሰል ኣለዋ ኢሎም።

ኢትዮጵያ ህዳሰ ግድብ እትሃንፀሉ ዘላ ምኽኒያት ብዘይ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኣብ ኣፀጋሚ ኩነታት ዘለዉ ብሚሊየናት ዝቑፀሩ ዜጋታታ ሓይሊ ኤሊክትሪክ ንክረኽቡ ከምዝኾነ ሓቢሮም።

ኩሎም ዜጋታታ ተረባሕቲ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ንዝኾነት ኣሜሪካ፥ ሕማም ኣብ ፀገም ኤሌክትሪክ ዘለዉ ዜጋታት መርዳእ ከቢድ ኢዩ ክብሉ እውን ኣብቲ ዝፀሓፍዎ ደብዳበ ገሊፆም።

ኣብ ዝኾነ ይኹን ውሽጣዊ ጉዳይ ኢትዮጵያ ጣልቃ መእታው ዓለም ለኻዊ ሕጊን ዲፕሎማቲክ ስርዓት ኣባል ሃገራት ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ምጥሓስ ከምዝኾነ አወን ኣፍሊጦም።

ይኹን እንበር መንግስቲ ግብፂ ካብ ረብሓ ሀዝቢ ብምብጋስ ንዘልዕሎም ሕቶታት ከምዘኽብሩ ሓቢሮም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.