Fana: At a Speed of Life!

ትካላት ቤተ ክስቲያን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክስቲያን ኢትዮጵያ ንግዚኡ ግልጋሎት ጠጠው ንኸብላ ቅዱስ ሲኖዶስ ወሲኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቅዱስ ሲኖዶስ ቤተ ክስቲያን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኢትዮጵያ ንግዚኡ ዝዕፀዉ ክፍሊታት ስራሕን ትካላትን ዕላዊ ገይሩ።

ዋና መካየዲ ስራሕ እቲ ላዕለዋይ ቤተ ክህነት ብፁእ ኣቡነ ያሬድ ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ፥ ኣብዚ ሕዚ እዋን ስግኣ ዓለም ኮይኑ ዘሎ ለበዳ ሕማም ቫይረስ ኮሮና ንኢትዮጵያ እውን ልዑል ስግኣት እናኾነ ምምፅኡ ገሊፆም።

እቲ ቅዱስ ሲኖዶስ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝገበሮ ኣኼባ፥ ቫይረስ ኮሮና ንምክልኻልን ንምዕጋትን ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ብፅሒቱ ንምውፃእ ብዝብል ትካላት ስራሕ ናይታ ቤተ ክርስቲያን ብእዋናዊነት ጠጠው ንኸብላ ከመዝተወሰነ ኣብሪሆም።

ብመሰረት እዚ ድማ ካብ ላዕለዋይ ቤተ ክህነት ጀሚሩ ሓድጊታት፣ ኣቢያተ መፃሕፍቲን ወመዘክርን መንበረ ፓትሪያርክ ንኽዕፀዉ ተወሲኑ።

ካብዚ ሓሊፉ ኣብ ትሕቲ ላዕለዋይ ቤተ ክህነት ካብ ኣዲስ ኣበባ ክሳብ ኣህጉረ ስብከት ዘለዋ ዩኒቨርሲቲታት፣ መንፈሳዊ ኮሌጃት፣ ስልጠና ዘይጀመራ መሰልጠኒታት ካህናት፣ መዋእለ ህፃናትን ኣቢያተ ትምህርቲ ኣብነትን ንዘይተወሰነ እዋን ስራሕቲ ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ጠጠው ንኽብል ተገይሩ ደቀ መዛምርቲን ተምሃሮን ዝተምሃሩዎ ኣብ ገገዝኦም ኮይኖም ንኸፅንዑ ከምዝግበር ተገሊፁ።

ብተወሳኺ ካብ ላዕለዋይ ቤት ፅሕፈት መንበረ ፓትሪያርክ ክሳብ ኣብ መላእ ኣህጉረ ስብከት ዝርከባ ቤት ፅሕፈታት ህፁፅ ስራሕ ካብ ዝደልዩን ተፈሊዮም ንኽፀንሑ ካብ ዝግበሩ ሰራሕተኛታት ወፃእ ኩሎም ሰራሕተኛታት ስረሖም ኣብ ገገዝኦም ኮይኖም ንኸሳልጡ ውሳነ ተመሓላሊፉ ኣሎ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.