Fana: At a Speed of Life!

ቻይና ብሽፋን ሰብኣዊ ሓገዝ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ኢትዮጵያ ጣልቃ ዝኣትዉ ሓይሊታት ትቃወም ኢያ-ፕሬዚደንት ሺ ዢንፒንግ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ጥቅምቲ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ቻይና ብሽፋን ሰብኣዊ ሓገዝ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ኢትዮጵያ ጣልቃ ዝኣትዉ ሓይሊታት ትቃወም ኢያ ክብሉ ፕሬዚደንት እታ ሃገር ሺ ዢንፒንግ ገሊፆም።

እቶም ፕሬዚዳንት፥ ቻይና ጠበቓ ዓም ለኻዊ ድንጋገታት፣ ዓለም ለኻዊ ፍትሓውነትን ፍትሒ ብምሕላውን ቁልፊ ግደ ተፃዊታ ኢያ ክብሉ ተዛሪቦም።

ቤጂንግ ናብ ውደብ ሕቡራት መንግስታት ናይ ቻይና ህዝባዊ ሪፐብሊክ ሕጋዊ መቐመጢ ዝተመለሰትሉ መበል 50 ዓመት ኣኽቢራ።

ኣብቲ መርሃግብሪ ናይ ቻይና ፕሬዝደንት ሺ ዢንፒንግን ሓዊሱ፥ ዋና ፀሓፊ ውሕመ ኣንቶኒዮ ጉተሬዝ፣ ናይ ዲፕሎማቲክ መልእኽተኛታትን ኣብ ቻይና ዝርከቡ ተወከልቲ ዓለም ለኻዊ ትካላትን ተረኺቦም።

ናይ ቻይና ህዝባዊ ሪፐብሊክ መንግስቲ  ንውድብ ሕቡራት  መንግስታት ናይ ቻይና ብሕታዊ ሕጋዊ ወኪል ከምዝኾነ ብምሕባር፥ እዚ ድማ ንህዝቢ ቻይና ዓወት ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ሕውነት  ቻይናን የኢትዮጵያን ብምሕባር÷ ንውሳነ ውድብ ሕቡራት መንግስታት  2758 ድምፂ ካብ ዝሃባ ሃገራት ሓንቲ  ኢትዮጵያ ከምዝኾነት ኣዘኸኺሮም።

ክልቲአን ሃገራት ኣብ ዓለም ለኻዊ ርክብ ተመሳሳሊ ፍልስፍና ዘለወንን ክልቲአን ነፃ ፖሊሲ ወፃኢ ዝድግፋን ኢድ ኣታውነት ወፃኢ ዝቃወማን ከምዝኾና ተዛሪቦም።

ኣብ ዓለም ለኻዊ ጉዳያት ብምድግጋፍን ምትሕግጋዝን ክልቲአን ሃገራት ብብርኪ ዓለምን ክልልን ብምቅርረብ እንትሰርሓ ከምዝፀንሓ ብምሕባር፥ ቻይና ብሽፋን ሰብኣዊ ሓገዝ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ኢትዮጵያ ጣልቃ ዝኣትዉ ሓይሊታት ትቃወም ኢያ ኢሎም ክብል ኤምባሲ ቻይና ኣብ ኢትዮጵያ ዘውፅኦ ሓበሬተ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.