Fana: At a Speed of Life!

ቻይና ንመበል ሳልሳይ ጊዘ ደገፍ ናውቲ ሕክምና መከላኸሊ ቫይረስኮሮና ሂባ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)መንግስቲ ቻይና ንመበል ሳልሳይ ግዘ ደገፍ ናውቲ ሕክምና መከላኸሊ ቫይረስኮሮና ንኢትዮጵያ ኣበርኪቱ።

እቶም ናውቲታት ሕክምና፥ 500 ሺሕ ሰርጂካል ማስክ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን፣ 65 ሺሕ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን፣ 10 ሺሕ ኣልባሳት ሕክምናን መሸፈኒ ጫማን፣ ብኣኝሓት ዝቑፀሩ ሰርጂካል ጓንቲታት ኢዮም።

መንግስቲ ቻይና እቲ ቫይይር ኣብ ወርሒ መጋቢት ናብ ኢትዮጵያ ካብ ዝኣቲ ጀሚሩ እዛ ሃገር ኣብ እትገብሮ ዘላ ምክልኻልን ምቁፅፃርን ቫይረስ ኮሮና ዝገብሮ ድጋፍ ኣጠናኺሩ ዝቕፅል ዘሎ ምዃኑ ኤምባሲ ቻይና ኣብ ኢትዮጵያ ገሊፁ።

ኣብ ወርሒ ሚያዚያ ካብ ቻይና ዝመፅኡ ኣባላት ጉጅለ ሕክምና ን15 መዓልታት ኣብ ኢትዮጵያ ደገፍ ሕክምና ምግባሮም ይዝከር።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.