Fana: At a Speed of Life!

ቻይና ኣብ ማርስ እተካይዶ መፅናዕቲ ኣብ ቀፃሊ ወርሒ ሓምለ ክትጅምር ኢያ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቻይና ኣብ ማርስ እተካይዶ ፈላማይ ሳይንሳዊ መፅናዕቲ ኣብ ዝመፅእ ወርሒ ሓምለ ከም እትጅምር ዕላዊ ገይራ።

ነቲ መፅናዕቲ ተካይድ ሳትላይት ድማ ሎንግ ማርች 5-ዋይ 4 ብዝተብሃለት ሮኬት ናብ ህዋ ከምትለኣኽ ትካል ምርምር ጠፈር ቻይና ኣፍሊጡ።

እታ ሮኬት ተልእኾኣ ብዓወት ንምዝዛም ዘኽእላ ዓቕሚ ከምዘለዋ፥ ብፈተነ ተረጋጊፁ ኢዩ ተባሂሉ።

ብሃይድሮጅንን ኦክስጅንን ዝዝተሰርሐ ሞተር ዘለዋ ሮኬት፥ ኣብዚ ዓመት ብዙሓት ሳትላይታት ናብ ህዋ ክተብፅሕ ኢያ ዝብል እምነት ኣሕዲራ ኣላ።

እታ ናብ ህዋ ትለኣኽ ሳትላይት ድማ ብዛሕባ ፕላኔት ማርስ ብዙሕ ሓደሽቲ ምህዞታትን ሓበሬታታትን ነቲ ትካል ክተብፅሕ ኢያ ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

ፍልፍል፦ ሺንዋ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.