Fana: At a Speed of Life!

ቻይና ኲናት ከምዘይትፈርሕ ዢ ጂምፒንግ ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ፕዚዳንት ቻይና ዢ ጂምፒንግ ሃገሮም ኲናት ከምዘይትፈርሕን ኣብ ሉኣላዊነት፣ ድሕንነትን ልምዓትን ዘለዋ ድሌት ትሑት ተገይሩ ክረአ ከምዘይትፈቅድን ገሊፆም።

እቶም ፕሬዚዳንት ጦር ቻይና ናብ ኲናት ኮሪያ ዝኣተወሉ መበለ 70 ዓመት ምኅንያት ብምግባር ቤጂንግ ኣብ ዝርከብ ዓቢዪ ኣዳራሽ ህዝቢ ቻይና ተረኺቦም መደረ ኣስሚዖም።

ብብሕታዊነት ዝውሰን ውሳነ፣ ናይ ሓደ ወገን ኢኮኖሚያዊ ዕብለላን ጎንፂ ምድላይን ረብሓ የብሉን ዝበሉ ፕሬዚዳንት ዢ፥ ከምዚ ዓይነት ተግባር ናብ ሞት ዝመርሕ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ህዝቢ ቻይና ስለዝተወዲበ ክኽበር ዘይኽእለሉ ምኽንያት ኣይህሉን ክብሉ ኣቦ ምስረታ ቻይና ተባሂሎም ዝፍለጡ ማኦ ዜዶንግ ብምፅራሕ ገለፃ ገይሮም።

ዋላኳ ፕሬዚዳንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ናብ መዝነት ካብ ዝመፅኡ ንደሓር ርክብ ቻይናን ኣሜሪካን ኣብ ናይ መወዳእታ ብርኪ ወጥሪ ዝበፅሐ ይኹን እምበር፥ ኣብ መደረኦም ሽም ኣሜሪካ ኣየልዓሉን ተባሂሉ።

ክልቲአን ሓየልቲ ሃገራት ብፍላይ ካብ ቀረባ እዋን ንደሓር ምስ ጉዳይ ቴክኖሎጂ፣ ንግዲን ድሕንነትን ተተሓሒዙ ኣብ ዓቢዪ ወጥሪ ምእታወን ይፍለጥ።

ቅድሚ 70 ዓመት ኣሜሪካ ምስ ደቡብ ኮሪያ ብምዃን ምስ ሰሜን ኮሪያ ናብ ኲናት ከምዘኣተዋ ዝዝከር እንትኸውን፥ ነዙይ ስዒቡ ድማ ቻይና 2 ሚሊየን ዝኾኑ ወታደራት ናብ ሰሜን ኮሪያ ልኢኻ ነይራ።

ፍልፍል፦ ኣልጀዚራ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.