Fana: At a Speed of Life!

ቼክ ሪፐብሊክ ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ምትሕብባር ኢኮኖሚ ከምእተጠናኽር ገሊፃ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 መጋቢት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ቼክ ሪፐብሊክ ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ምትሕብባር ኢኮኖሚ ከምእተጠናኽር ገሊፃ።

ሚኒስትር ዴኤታ ሚኒስቴር ገንዘብ ሰመሪታ ሰዋሰው ምስ ተተካኢ ምክትል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ቼክ ጂሪ ኮዛክ ዘቲየን።

ወይዘሮ ሰመሪታ ሰዋሰው ኢትዮጵያ ምስ ቼክ ሪፐብሊክ ዘለዋ ርከብ ኣጠናኺራ ክትቅፅል ኢያ ኢለን።

ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውዲታት ልምዓት ብፍላይ ኣብ ለምዓት ፍሪያታት ባናና ኣብ ደቡብ ኢትዮጵያ ንምምዕባል መንግስቲ  ቼክ ሪፐብሊክ ዝገበሮ ኣስተዋፅኦ ንኢደን።

ጂሪ ኮዛክ ብግደኦም፥ ሃገሮም ንኢትዮጵያ እትገብሮ ደገፍ ልምዓት ኣጠናኺራ ከምዝቐፀለት ተዛሪቦም።

ኣብ ዓውዲ ግብርና፣ ልምዕት ማይ፣ ሀንፀት ዓቕሚ መናእሰይን ጂኦሎጂካልን ምስ ኢትዮጵያ ረክብ ብዝበለፀ ንምምዕባል ባህጊ ኣለዋ ምባሎም ካብቲ ሚኒስቴር ዝረከብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.