Fana: At a Speed of Life!

ነበር ተፃዋታይ ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያን ቅዱስ ጊዮርጊስን ተስፋየ ኡርጌቾ ካብዚ ዓለም ብሞት ተፈሊዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ግንቦት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ነበር ተፃዋታይ ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያን ቅዱስ ጊዮርጊስን ተስፋየ ኡርጌቾ ካብዚ ዓለም ብሞት ተፈሊዩ።

ካብ ዝነብረሉ ሃገረ ኣሜሪካ ንዕረፍቲ ናብ ኢትዮጵያ መፂኡ ዝነበረ ተስፋዬ፥ ብዘጋጠሞ ሃንደበታዊ ሕማም ሕክምና እናተኸታተለ ምፅንሑ ካብ ፌዴሬሽን ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ንመላእ ስድራ ቤትን ቤተሰብ ስፖርትን ምፅንዕናዕ ይምነ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.