Fana: At a Speed of Life!

ነበር ፕሬዚዳንት ግብፂ ሆስኒ ሙባረክ ካብዚ ዓለም ብሞት ተፈልዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ነበር ፕሬዚዳንት ግብፂ ሆስኒ ሙባረክ ኣብ 91 ዓመቶም ካብዚ ዓለም ብሞት ተፈልዮም።

ንኣስታት 30 ዓመታት ንግብፂ ብፕሬዚዳንትነት ዝመርሑ ሆስኒ ሙባረክ፥ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ኣብ 2011 ብህዝባዊ ዓመፅ ካብ ስልጣን ከምዝተወገዱ ይዝከር።

ሆስኒ ሙባረክ ምስ ገበን ግዕዝይናን ቅትለት ንፁሃን ዜጋታትን ተኸሲሶም ንሽዱሽተ ዓመታት ተኣሲሮም ኢዮም።

ንሽዱሽተ ዓማውቲ ኣብ ቤት ማእሰርቲን ሆስፒታልን ድሕሪ ምፅናሕ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 2017 ቤት ፍርዲ እታ ሃገር ብናፃ ክልቀቑ ብምውሳኑ ክፍትሑ ክኢሎም።

ቴሌቪዥን ጣቢያ መንግስቲ እታ ሃገር ከምዝፀብፀቦ፥ ሆስኒ ሙባሪክ ሕክምና መጥባሕቲ ምስተገበረሎም ድሕሪ ሒደት ሰሙናት ህይወቶም ክሓልፍ ክኢሉ ኢዩ።

ራብዓይ ፕሬዚዳንት ግብፂ ዝነበሩ ሆስኒ ሙባራክ፥ ኣብ ዘበነ ስልጣኖም ብግዕዝይና፣ ፖለቲካዊ ወፅዓን ኢኮኖሚያዊ ፀገማትን ወቐሳ ይቐርበሎም ነይሩ።

ፍልፍል፡- አልጀዚራ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.