Fana: At a Speed of Life!

ናብ መኸተ ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ንትመም – ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ምሁራት ትግራይ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ማሕበረሰብ ሙሁራት ትግራይ ኣብ ምክልኻል ለበዳ ሕማም ቫይረስ ኮሮና (ኮቪድ-19) ኣድሂቦም መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።

እቶም ሙሁራት ኣብ መልእኽቶም፥ ስግኣት ጥዕኛ ዓለም ኮይኑ ዘሎ ለበዳ ሕማም ኮቪድ-19 ንዕት ኩሉ ሕብረተሰብ ብሓባር ክተምም ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቦም።

ሙሁራት፥ እቲ ለበዳ ንምክልኻልን ንምቑፅፃርን ብሰብ ሞያ ጥዕናን ካልኦት ዘርፍታት ንዝውሰዱ ስጉምትታት ብሳይንስን እዋናዊ መርትዖታትን ዝተደገፉ ንኽኾኑ ንሰብ ሞያታት፣ ንህዝቢን መንግስቲን አድላይ ዝኾነ ሓገዝ ከወፍዩ ከምዝግባእ እውን እታ ማሕበር ተላቢያ።

ሙሉእ ትሕዝቶ ናይቲ መልእኽቲ ከምዚ ዝስዕብ ቀሪቡ ኣሎ፦

መልእኽቲ ካብ ማሕበረሰብ ሙሁራን ትግራይ ኣብ ምክልኻል ለበዳ ሕማም ቫይረስ ኮሮና (COVID-19)

ቫይረስ ኮረና ከም አፍልጦ ውድብ ጥዕና ዓለም(World Health Organization) ኮቪድ-19 በቢመዓልቱ ኣብ ሕብረተሰብ ዓለም ከቢድ ቅልውላው እናፈጠረ ዘሎ ሕማም ለበዳ እዩ። እቲ ሕማም ብፆታ፣ ዕድመን ማህበራዊ መነባብሮን ቁጠባዊ ዓቕምን ብዘይአፈላላይ የጥቅዕ። ብፍለይ ድማ ዕድመ ዝደፍኡን ተደራቢ ዝፀንሐ ሕማም ዘለዎም ከምኒ ሽኮር፣ ሕማም ልቢ፣ ደም በዝሒ፣ ካንሰርን ካልኦት ናይ ምክልካል ዓቅሚ ዘዳክሙ ሕማማት ንዘለዎም ሰባት ኣብ ሓደጋ ዘውድቕን ዝቀትል እዩ።

 ክውሰዱ ዝግበኦም ጥንቃቀታት፦

እቲ ለበዳ ሓዱሽ ከም ምዃኑ መጠን፣ ብዙሕ ነገራት ኣብ መፅናዕቲ ስለ ዘለዉ ሰብ ሞያ ጥዕና በብእዋኑ ውፅኢታውነቶም ዝተረጋገፀሎም ናይ ምክልካል ኣንፈታት ከፍልጡ ስለዝግበኦም ሕብረተሰብ እውን ዝወሃቡ ማዕዳታት ከተግብሮን ስለዝግባእ ዓለምለኸ ውድብ ጥዕና (WHO) ዘውፀኦ መምርሕታት እውን ጥንቃቀብዝተመልኦ ምትግባር የድሊ እዩ።

 በብእዋኑ ኢድካ ብሳሙናን ብማይን ካብ 20 ሰከንድ ዘይነኣሰ ብኣግባቡ ምሕፃብ።

 ብኢድ ዝተተንከፉ ነገራት ብመፅረይ ኬሚካላት ምውልዋል።

 አካላዊ ርሕቐት (physical distancing) ምፍጣር።

 ኣብ ሞንጎ ክልተ ሰባት እንተወሓደ ክልተ ሜትሮ ርሕቐት ክህሉ ይግባእ። እዚ ድማ ሓደ ሰብ እንድሕር ሲዒሉ ወይ ከዓ እንተሃንጢሱ ኣብቲ ዝወፅእ ንጣር (droplets) እቲ ሰብ በቲ COVID-19 ተለቢዱ እንተኾይኑ ኣብ ጥቅኡ ዘሎ ሰብ ብቀሊሉ ብትንፋስ ክስሕቦ ስለ ዝኽእል እዩ።

 ብኢድ ዓይኒ፤ ኣፍንጫን ኣፍን ዘይምትንካፍ። ኢድና ብዙሕ ነገራት ስለ ዝትንክፍ በቲ ቫይረስ ዝረኸሰ ነገር ክንትንክፍ ስለ ንኽእል ኢድና ከዓ እንተረኺሱ ናብ ዓይንና፣ ኣፍንጫናን ኣፍናን ክሓልፍ ስለዝኽእል እዩ።

 ግቡእ ናይ ኣተነፋፍሳ ልምዲ።

 ክንስዕል ወይክዓ ክንህንጥስ ከለና ብርኪ ኣእዳውና ብምዕፃፍ ወይ ድማ ብሶፍት ኣፍናን ኣፍንጫናን ምሽፋን። እቲ ሶፍቲ ብቑልጡፍ ናብ መአከቢ ጉሓፍ ምእታው።

 ቅልል ዝበሉ ምልክታት ለበዳ COVID-19 (ዋዒ /ሙቐት፤ ደረቅ ሰዓል) እንተተራእዮምና ካብ ገዛ ብዘይምውፃእ ንባዕልኻ ብምፍላይን ብቁጽሪ 6244 ብምድዋልን ሰብ ሞያ ጥዕና ምፍላጥ። እቲ ምልክታት እንዳባእሰ ናይ ምትንፋስ ፀገም እንተጓኒፉ ብቑልጡፍ ናይ ሓኪም ሓገዝ ምሕታት።

 ግቡእ ሓበሬታታት ካብ ክኢላታት ጥዕና ናይ መንግስቲ አካላት ንምክትታል ንዝዋሃበካ ምኽሪ ብፅሞና ምትግባር።

 ግደ መንግስትታት ክልልን ፌደራልን፦

ምሕላውን ምርግጋፅን ጥዕና ማሕበረሰብና ብቀዳምነት ናይ መንግስታት ፌደራልን ክልልን ሓላፍነት ስለ ዝኾነ በብእዋኑ ግቡእ ሓበሬታን ናብቲ ሕብረተሰብ ከመሓላልፉ ኣለዎ።

ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ እዚ ዓብዩ ሓደጋ ለበዳ ንምዕጋትን ንምቑፅፃርን ህፁፅ ኣዋጅ ምእዋጁ ዝነአድን ዝድገፍን እዩ ። እቲ ኣዋጅ ብፍላይ ነቲ ትሑት ክፍሊ ህብረተሰብ ናይ ኢኮኖሚ ፀቕጢ ስለዝፈጥር መንግስትን ካልኦት ናይ ኢኮኖሚ ትካላትን ሓገዝ ዝበፅሓሉ መንገዲ ከም ዝሕንፅፅ እምነትና ኮይኑ ንሕና ውን ኣብ ዝግበር ምርብራብ ኣብ ጎኒ መንግስቲ ከም ዘለና ነረጋግፅ።

 ንመላእ ሕብረተሰብና፦

ሕዝቢ ትግራይ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ንዘጋጠመካ ፀገማትን ብድሆታትን ብሓድነትን ብፅንዓትን እናመከትኻ ከም ዝመፃኻ ዝፍለጥ እዩ። ሐዚ እውን ነዚ ዝመፅእ ዘሎ ለበዳ ኮሮና ብብቕዓት ንምምካት ኣብ ጎኒ መንግስትን ሰብ ሞያ ጥዕናን ኮይንካ ንዝዋሃበካ ምኽርን ሓበሬታን ብንቕሓትን ብወነን ዕሽሽ እንተይበልካ ብምትግባር ህልውና ቤተሰብካን ሕብረተሰብካን ክተረጋግፅ ንላቦ።

 ንመራሕቲ ሃይማኖትን፣ ዝተፈላለዩ ማሕበራዊ ውዳበታትን፦

መላእ መራሕቲ ሃይማኖታት ትግራይ ኣብቲ ህዝቢ ዘለዎም ተቐባልነት ብምጥቃም ሰብ ሞያ ንዝህብዎ ምኽርታትን ሓበሬታን ንህዝቢ ከምህሩን ኣብቲ ምክልኻል ለበዳ ናይ ሓባር ርድኢት ብምፍጣር ግቡኦም ክዋጽኡ ይግባእ።

 ንመራሕቲ ስድራ፦

መራሕቲ ስድራ ብዛዕባ እቲ ሕማም ግቡእ ፍልጠትን ሐበሬታን ኣብ መላእ ስድራቤቶም ክህልውን ተግባራዊነቶም ኣብምርግጋፅ ሓላፊነት ኣለዎም። እንድሕር ሓደ ኣባል ስድራቤት ለበዳ ተታሒዙ ናብ ካሊእ ሰብ ከይመሓላለፍ ልዑል ጥንቃቐ ብምግባር ነቲ ዝሓመመ ኣብ ፍሉይ ቦታ ብምቕማጥ ግቡእ ሓገዝ ብምሃብን ብምክትታልን ብቕልጡፍ ናይ ሕክምና ሐገዝ ክረክብ ይግባእ።

 ንመናእሰይ ትግራይ፦

መንእሰይ ትግራይ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ንዘጋጠሙ ተፈጥሮኣውን ሰብኣውን ብድሆታት እናመከትካ ከም ዘለኻ ይፍለጥ። ኣብ ቀረባ ውን ወራር ዕስለ ኣንበጣ ኣብ ምምካት ዘርኣኻዮ ውሕሉል ተወፋይነት ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ሙሁራን ትግራይ ብናእዳ ይሪኦ።

ሕዚ ውን ብተመሳሳሊ መንገዲ ነዚ ለበዳ ምስ ሕብረተሰብኻን መንግስትኻን ሓይልኻ ኣዋዲድካ ንውሕስናኻን ድሕንነት ህዝብኻን ኣብቲ ዝግበር ናይ ለበዳ ኮሮና ምክልኻልን ምቑፅፃርን ወፍሪ ከም ቀደምኻ ታሪኻዊ ሓላፍነትኻ ብጀግንነት ንኽትዋፃእ ዓለምለኸ ማሕበረሰብ ሙሁራን ትግራይ ብክብሪ ይፅውዕ።

 ንናይ ሚድያ ትካላትን ነጠፍቲ ማሕበራዊ ሚድያን፦

ኣብ ሚድያታት እትነጥፉ ወገናት ናይቲ ለበዳ ኮሮና ትኽክለኛን ግቡእ ዝኾነ ሓበሬታ ካብ ዝምልከቶም ኣካላትን ሰብ ሞያ ጥዕናን በብእዋኑ እንዳተኸታተልኩም ንህዝቢ ክትሕብሩ ይግባእ።

ብፍላይ ከዓ በቶም ዝምልከቶም ማለት እውን ብውድብ ጥዕና ዓለም (WHO) ዝዋሃቡ ሳይንሳዊ ሓበሬታን ብዕሊ ዝተረጋገፁ ጥራሕ ኣብ ምዝርጋሕ ግቡእኹም ኽትፃወቱ ዓለምለኸ ማሕበረሰብ ሙሁራን ትግራይ ብክብሪ ንላቦ።

 ኣብ ውሽጥን ኣብ ደገን ንዘለኹም ሙሁራት ተጋሩ፦

ከም ቅድሚ ሕዚ ኣብ ጎኒ ህዝቢ ትግራይን መንግስቲን ብምዃን ነዚ ለበዳ ኣብ ምክልኻልን ምቁፅፃርን ኣድላዪ ዝኾነ ግቡእኹም ክተወፍዩ ብኽብሪ ንላቦ። ብፍላይ ድማ ሙሁራን ነቲ ለበዳ ንምክልኻልን ንምቑፅፃርን ብሰብ ሞያ ጥዕናን ካልኦት ዘርፍታት ንዝውሰዱ ስጉምትታት ብሳይንስን እዋናዊ መርትዖታትን ዝተደገፉ ንኽኾኑ ንሰብ ሞያኹም ንህዝብኹምን መንግስትኹምን አድላይ ዝኾነ ሓገዝ ንከተወፍዩ ማሕበርኩም ይላቦ።

 ኣብ ደገ ንዘለኹም ተጋሩ፦

እቲ ሕማም ሓዱሽ ብምዃኑ ኣድለይ ዝኾነ ናውቲ ሕክምና ኣብ ክልልና ስለዘየለ እዚ ከዓ ሕዝብና ንምድሓን ወሳኒ ስለዝኾነ ከምቲ ቅድሚ ሐዚ ኣብ ጎኒ እቲ ህዝብን መንግስትን ኮይንኩም እትገብርዎ ዝነበርኩም ሓገዝ ኣሕይልኩም ክትቕፅልሉ ፍሉይ ዝኾነ ፃውዒት ብስም ህዝቢ ትግራይ ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ሙሁራን ትግራይ የቕርብ። ኣብ ዲያስፖራ ዝግበሩ ዝተፈላለዩ ሓገዛት ብዝተወደበ መልክዕ ንምስራሕ ዓለምለኸ ማሕበረሰብ ሙሁራን ትግራይ ግብሪ ሓይሊ (task force) ዲያስፖራ ፀረ ቫይረስ ኮረና ኣብ ምጥያሽ ይርከብ።

ኣብ መወዳእታ ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ሙሁራን ትግራይ ከም ቀደሙ ሐዚ እውን ኣብ ጎኒ ህዝቢ ትግራይን መንግስትን ብፍላይ ከዓ ምስቲ ኣብ ትግራይ ተጣይሹ ዘሎ ግብሪ ሓይሊ ለበዳ ኮሮና ኾይኑ እቲ ለበዳ እስካብ ዝጠፍእ ብንጥፈት ከም ዝሰርሕ ከፍልጥ ይፎቱ።

ናብ መኸተ ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ንትመም! ካብ ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ምሁራን ትግራይ

ፍልፍል፦ ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.