Fana: At a Speed of Life!

ናብ ወፃኢ ካብ ዝተለኣኹ ውፅኢታት ስጋን ፀባን 72 ሚሊየን ዶላር ኣሜሪካ ኣታዊ ተረኺቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ሓምለ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብቲ ዝተዛዘመ በጀት ዓመት ናብ ወፃኢ ካብ ዝተለኣኹ ውፅኢታት ስጋን ፀባን 72 ሚሊየን ዶላር ኣሜሪካ ኣታዊ ከምዝተረኸበ ኢንስቲትዩት ኢንዱስትሪ ልምዓት ስጋን ፀባን ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

ዋና ዳይሬክተር እቲ ኢንስቲትዩት ኣይተ ሃይለየስላሴ ወረስ ንግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ ከምዝገለፁዎ፥ መብዛሕትኡ ኣታዊ ካብ ውፅኢታት ፍርያት ስጋ ከፍቲ፣ ጤልን በጊዕን ዝተረኸበ ኢዩ።

ዝተረፈ ድማ ካብ ካልኦት እንስሳት ዝተረኸበ ውፅት ከምዝኾነ ዝገለፁ እቶም ሓላፊ፥ ውፅኢታት ፀባ፣ መዓር፣ ሽምዒን ዓሳን ናብ ወፃኢ ተላኢኾም ኢዮም።

ኣብ ወርሒ ማዚያን ጉንበትን ካብ ኢትዮጵያ ናብ ዱባይን ስዑድ ዓረብን ዝተለኣኸ ፍርያት ናይቲ ዓውዲ ንግዲ ወፃኢ ወሰኽ ከምዘርኣየ እውን ኣብሪሆም።

ካብ ኢትዮጵያ ናብተን ሃገራት ዝግበር በረራ ቅድሚ ምቁራፁ ኣብ መዓልቲ 100 ቶን ስጋ ይድለ ከምዝነበረ ዝገለፁ ኣይተ ሃይለስላሰ፥ እተን ሃገራት ስጋን ውፅኢት ስጋን ካብ ኢትዮጵያ ክወስዳ ድሌት ከምዘለወን ኣገንዚቦም።

ብምኽንያት ለበዳ ቫይረስ ኮሮናን ሕፅረት እንስሳን ግልጋሎት በረራ ምቁራፁ ካፍ ዓውዲ ንምርካብ ተሓሲቡ ዝነበረ 124 ሚሊየን ዶላር ኣሜሪካ ኣታዊ ንምዕዋት ማሕለኻ ከምዝኾነ ገሊፆም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.