Fana: At a Speed of Life!

ናይጄርያ ትዊተር ንዘይተወሰነ እዋን ክትእግዶ ምዃና ኣፍሊጣ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 28 ግንቦት፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)መንግስቲ ናይጀርያ ትዊተር ኣብታ ሃገር ንዘይተወሰነ ግዜ ከወንዝፎ ምዃኑ ሚኒስትር ሓበሬታ ኣፍሊጡ።

እቲ ውሳነ “ትዊተር ብተደጋጋሚ ሃለዋት ናይጀርያ ዝፈታተን ንጥፈታት ይካየደሉ ስለ ዘሎ’ዩ” ተባሂሉ።

ትዊተር እቲ ትማሊ ዓርቢ ዝወጽአ መግለጺ “ኣዝዩ ዘሻቕል” ክብል ገሊጽዎ።

ትዊተር “ናይ ፕረዚደንት ናይጀርያ ሙሓመድ ቡሃሪ ጽሑፍ ሕግን ስሪትን ትካለይ ዝጠሓሰ እዩ” ብዝብል ካብ ገጽ ትዊተር ምስ ኣለዮ ድሕሪ ሒደት መዓልትታት ኣብ ዘሎ ግዜ መንግስቲ ናይጀርያ ንትዊተር ክእግዶ ምዃኑ ኣፍሊጡ።

እንተኾነ መንግስቲ ናይጀርያ ኣብቲ ዝሃቦ መግለጺ ብዛዕባ እቲ ካብ ገጽ ትዊተር ዝተኣለየ ጽሑፍ ፕረዚደንት ቡሃሪ ኣይጠቐሰን።

ሚኒስትሪ ሓበሬታ ናይጀርያ ላይ መሓመድ ኣመሪካዊ ናይ ማሕበራዊ ሚድያ ኩባንያ ትዊተር ጽሑፍ ፕረዚደንት እታ ሃገር ዝተኣለየሉ መገዲ “ገጽ ረአ” ክብል ነቒፍዎ ነይሩ።

ፍልፍል፦ቢቢሲ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.