Fana: At a Speed of Life!

ናይ መወዳእታ ሃነፅቲን ሓለውቲን ዴሞክራሲ ባዕልና ኢትዮጵያውያን እምበር ፈተውትና ኣይኮኑን – ቀ/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 26 ሚያዝያ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚስትር ኣቢይ ኣሕመድ ምስ ፕሬዚዳንታት ክልልን ኣመራርሓታት ቦርድ መረፃን ሳምንታዊ ገምጋም ቅድመ መረፃ ኣካይዶም።

ኣብቲ ዘተ ድማ ምዝገባ መረፅቲ ብፅቡቕ ኩነታት እናተኻየደ ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፆም፥ ክሳብ ሕዚ ዘይተመዝገቡ ዜጋታት ኣብቲ ዝተናወሐ እዋን ምዝገባ ተጠቒሞም ካርድ መረፃ ንኽወስዱ ኣገንዚቦም።

ኣብ ጣቢያታት መረፃ ምደባ ኣካላት ፀፅታ እናተኻየደ እንትኸውን፥ ኣብ ዝቕፅሉ ሰሙናት ክዋፈሩ ኢዮም ኢሎም።

“ናይ መወዳእታ ሃነፅቲን ሓለውቲን ዴሞክራሲ ባዕልና ኢትዮጵያውያን እምበር ፈተውትና ኣይኮኑን” ክብሉ እውን ገሊፆም።

ባዓል ዋና ይውስን፤ ፈታዊ ድማ ይሕግዝ ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ከይዲ እቲ መረፃ ዕዉትን ሰላማዊን ንኽኸውን ብሓባር ምስራሕ ከምዘድሊ ኣገንዚቦም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.