Fana: At a Speed of Life!

ንሃገራዊ ፃውዒት ምላሽ ንመሃብ ዝንቀሳቐስ ፍሉይ ሓይሊ ክልል ሶማሌ ተሰኒዩ

አዲስ ኣበባ፣ 11 ሓምለ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ንሃገራዊ ፃውዒት ምላሽ ንመሃብ ዝንቀሳቐስ ፍሉይ ሓይሊ ክልል ሶማሌ መርሃ ግብሪ ምፍናው ተገይሩሉ።

ኣብቲ መርሃ ግብሪ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ኣይተ ሙስጠፌ መሓመድ፣ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ፓርቲ ብልፅግና ክልል ሶማሌ ኢንጂነር መሓመድ ሻሌ፣ ዓበይቲ ዓዲን ኣባላት ካቢኔ እቲ ክልልን ተረኺቦም።

ኣይተ ሙስጠፌ መሓመድ እብቲ እዋን ምፍናው ከምዝገለፁዎ፥ “ንዘበናት ህዝብና ዝጨፍጨፈ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ሎሚ እውን ሃገር ንምፍራስ ዝጀመሮ ስራሕ ንምምካት ፍሉይ ሓይሊ ክልል ሶማሌ ድሉው ኢዩ” ኢሎም።

እቲ ሰራዊት ብዓወት ከምዝምለስ ዘለዎም እምነት እውን ገሊፆም።

እቲ ፍሉይ ሓይሊ ብዋና ኣዛዚ  ፍሉይ ሓይሊ ክልል ሶማሌ ሓጋዚ ኮምሽነር መሓመድ ኣሕመድ ናብ ወፍሪ ከምዘቕነዐ ካብ ትካል መራኸቢ ሓፋሽ ሶማሌ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.