Fana: At a Speed of Life!

ንመመረቒ ዝዳለዉ ፅሑፋት ብሶፍትዌር ተመርሚረም ካብ ፕላጃሪዝም ናፃ ምዃኖም እንተይተረጋገፀ ዲግሪ ከምዘይህብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ካብ 22 ለካቲት 2012 ዓ.ም ጀሚሩ ፖሊሲ ፀረ-ፕላጃሪዝም (Anti-Plagiarism) ተግባራዊ ከምዝገብር ኣፍሊጡ።

እቲ ዩኒቨርሲቲ ንመመረቒ ዝዳለዉ መፅናዕታዊ ፅሑፋት፥ብአርከንድ (URKUND) ሶፍትዌር ተመርሚረም ካብ ፕላጃሪዝም ናፃ ምዃኖም እንተይተረጋገፀ ዲግሪ ከምዘይህብ እውን ገሊፁ።

ፕላጃሪዝም፥ ሓደ መመረቒ መፅናዕታዊ ፅሑፍ ዘሰናድእ ወይ ድማ ስራሕቲ ምርምር ዝሰርሕ ውልቀ ሰብ ሕጊታት ምርምርን ኣካዳሚን ብምጥሓስ ካልኦት ሰባት ዝሰርሑዎ መፅናዕቲ ናይ ባዕሉ ኣምሲሉ ብምውሳድ ዝፍፀም ዘይሕጋዊ ተግባር ከምዝኾነ እቲ ዩኒቨርሲቴ ኣብሪሁ።

ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ተመረቕቲ ተምሃሮ መመረቒ ፅሑፍ ኣብ ዘዳለዉሉ እዋን ብናይ ባዕሎም ፃዕሪን ልፍዓትን ናይ ባዕሎም ስራሕ ከቕርቡ ብምግባር ፅሬት ትምህርቲ ኣብ ምርግጋፅ ዝገብሮ ፃዕሪ፥ ፕላጃሪዝም ዓቢዪ ጉድኣት እናብፀሐ ምምፅኡ እውን ተሓቢሩ።

ስለዝኾነ፥ እቲ ፖሊሲ ኣብ ተግባር እንትውዕል እቲ ፀገም ከምዝቃለል ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ ኣፍሊጡ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.