Fana: At a Speed of Life!

ንቴሌቪዥን ፕራይም ናይ መወዳእታ መጠንቀቕታ ተዋሂቡ

 

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ግንቦት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)በዓል መዚ መራኸብቲ ሓፋሽ ኢትዮጵያ ንቴሌቪዥን ፕራይም ናይ መወዳእታ መጠንቀቕታ ሂቡ።

እቲ በዓል መዚ ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣብ ዝለኣኾ መግለፂ፥ ቁፅሪ ኣዋጅ 1238/2013 በዓል መዚ መራኸብቲ ሓፋሽ ኢትዮጵያ ብምርቋሕ መራኸብቲ ሓፋሽ ኣብ መንጎ ዜጋታት ዘሎ ሓድነት ዝሽርሽሩን ዘይምትእምማን ዝፈጥሩን ትሕዝቶ ዘለዎ ፈነወ ክገብሩ ኣይብሎም ዝብል ግቡእ ከምዘለወን ይድንግግ ኢሉ።

ሕገ መንግስቲ ፌዴሪኢ፣ ኣዋጅ መራኸብቲ ሓፋሽን ካልኦት ተመሳሰልቲ ሕግታትን መራኸብቲ ሓፋሽ ብፍላይ ሓበራዊ ክብሪታት ዘፍርሱ፣ ዘይምርድዳእ ዝፈጥሩን ዘዜጋታት ንጎንፂ ንክልዓዓሉ ዝገብሩን ፈነወታት ካብ ምትሕልላፍ ንክቑጠቡ ይድንግግ።

ብመሰረት እዚ ቴሌቪዥን ፕራይም ካብ ቀረባ እዋን ጀሚሩ ነቶም ዝተገለፁ ሕጊታት ዝጥሕሱ ፕሮግራማት እንትውዝዕ ከምዝፀንሐ ብምግላፅ፥ ካብዚ ንክዕቀብ ተደጋጋሚ ግብረ መልሲ ከምዝተውሃቦ ተሓቢሩ።

4 ግንቦት 2015ዓ.ም ኣብ ቤት ፅሕፈት እቲ በዓል መዚ ዘተ ከምዝተገበረ ኣዘኻኺሩ።

ይኹን እንበር ካብቲ ስሕተት ክወፅእ ብዘይምኽኣሉ ንፕራይም ቴሌቪዥን ናይ መወዳእታ መጠንቀቕታ ከምዝተውሃበ ገሊፁ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.