Fana: At a Speed of Life!

ንኣዋርሕ ካብ ኣገልግሎት ወፃእ ኮይኑ ዝፀንሐ መፈልፈሊ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ተከዘ ሎሚመዓልቲ ስርሑ ጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ) ንኣዋርሕ ካብ ኣገልግሎት ወፃእ ኮይኑ ዝፀንሐ መፈልፈሊ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ተከዘ ሎሚመዓልቲ ስርሑ ከምዝጀመረ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

እቲ ጣብያ ምስ ብሄራዊ ሓይሊ ቋት ዝራኸበሉ መስመር ብምቁራፁ ምኽኒያት ሓይሊ ናይ ምፍልፋል ስርሑ ደው ኣቢሉ ከምዝፀንሐ ተገሊፁ።

ካብ ተከዜ ናብ መቐለ ኣብ ዝተዘርገሐ መስመር መተሓላለፊ ሓይሊ ዝግበር ዝነበረ ፅገና ብምዝዛሙ ሎሚ መዓልቲ ሓይሊ ናይ ምሃብ ስርሑ ከምዝጀመረ ተሓቢሩ።

ስለዝኾነ እቲ ጣብያ ካብ ዘለውዎ 4 ዩኒታት እቶም 2 ክሳብ 180 ሜጋ ዋት ዝበፅሕ ሓይሊ ይህብ ከምዘሎ ተሓቢሩ።

ካብ ዝሓለፈ ዕከተ ሓሙስ ጀሚሩ ኣብ ተቛሪፁ ዝነበረ ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ዳግም ኣገልግሎት ምሃቡ ከምዝጀመረ ተገሊፁ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.