Fana: At a Speed of Life!

ንግብረ ሓይሊ ምክልኻል ዕስለ ኣምበጣ ትግራይ ዝውዕል ልዕሊ 2 ነጥቢ 6 ሚልየን ብር ሓገዝ ተበርኪቱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 መስከረም፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ሰራሕተኛታት ኢትዮ ቴሌኮም ርጅን ሰሜን ከምኡ እውን ዎርልድ ቪዠንን “GiZ-ISFM” ዝተባሃሉ ዘይመንግስታውያን ትካላትን ንግብረ ሓይሊ ምክልኻል ዕስለ ኣምበጣ ትግራይ ዝውዕል ልዕሊ 2 ነጥቢ 6 ሚልየን ብር ሓገዝ ከምዝገበሩ ቢሮ ሕርሻን ገጠር ልምዓትን ክልል ትግራይ ኣፍለጡ።

ዳርክትሬት ዳይሬክተር ቅድመ መጠንቀቅታን ህፁፅ ግብረ መልስን እቲ ቢሮ ኣይተ ገብረእግዚኣብሄር ኣረጋዊ፥  ኣብዚ ዓመት ሓደጋ ውሕጅ፣ ምግሃስ መሬትን ወራር ዕስለ ኣምበጣን ከም ክልል ብሰፊሑ ከምዘጋጠሙ ገሊፆም።

ነቶም ሓደጋታት ንምክላኽልን ዘብፅሕዎ ጉድኣት ንምቕናስን ሕብረተሰብ፣ መንግስታውያንን ዘይመንግስታውያንን ትካላት ዝተወደደ ተሳትፎ ሓገዝ እናገበሩ ከምዝኾኑ ሓቢሮም።

ወራር ዕስለ አምበጣ ኣብ ወርሒ መስከረም ዝጋደደሉ ኩነታት ስለዝህሉ ሕብረተሰብን ካልኦት መድረግቲ ኣካላትን ከምቲ ልሙድ ሓገዞም ከሐይሉ ድማ ፀዊዖም።

እቲ ዝተገበረ ሓገዝ 2 ነጥቢ 6 ሚሊየን ብር ካብ ዘይመንግስታዊ ትካል GiZ-ISFM 650 ሽሕ ብር፣ ካብ ዎርልድ ቪዠን 1 ሚልዮንን 750 ሽሕ ብር ብተመሳሳሊ ካብ ወርሓዊ ደሞወዝ ሰራሕተኛታት ኢትዮ ቴሌኮም ሰሜን ርጅን 195 ሽሕን 762 ኢዮም።

ፍልፍል፦ ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.