Fana: At a Speed of Life!

ን27 ዓመታት ኣብ ሓዳር ዝፀንሑ ቢል ገይትን ብዓልቲ ቤቱ መሊንዳ ገይትን ተፋቲሖም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 26 ሚያዝያ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ን27 ዓመታት ኣብ ሓዳር ዝፀንሑ ናይ ዓለምና ሃፋታም ቢል ገይትን ብዓልቲ ቤቱ መሊንዳ ገይትን ከምዝተፋትሑ ተገሊፁ።

እቶም ሰብ ሓዳር፥ “ድሕሪ ሐዚ ከም መፃምድቲ ኮይንና ብሓባር ክንዓቢ ኣይንኽእልን” ብምባል ከምዝተፋትሑ ገሊፆም።

ቢል ገይትን መሊንዳ ገይትን ኣብቲ ንምፍትሖም ዝገልፅ ብሓባር ኣብ ትዊተር ዝፀሓፍዎ “ብዛዕባ ሓዳርና ነዊሕ ምይይጥ ድሕሪ ምክያድ ክንፋታሕ ናብ ውሳነ በፂሕና” ኢሎም።

ንሳቶም ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ኣብ 1980ታት መሊንዳ ኣብቲ ብቢል ገይት ዝተመስረተ ማይክሮሶፍት ምስ ተፀንበረት’ዮም ተላልዮም።

ቢል ገይት ብሃብቱ ካብ ዓለምና ኣብ ራብዓይ ደረጃ ዝስራዕ እንትኸውን፥ ኣብዚ ሕዚ እዋን 124 ቢልየን ዶላር ከምዝውንን ፎርብስ ዘውፅኦ ፀብፃብ የረድእ።

እቶም ቢልዮነራት ዝኾኑ መፃምድቲ ሰለስተ ቆልዑ ወሊዶም ከምኡ’ውን “ቢል ኤንድ መሊንዳ ጌትስ” ዝተብሃለ ትካል ግብረ-ሰናይ ምጥያሾም ይፍለጥ።

ትካል ግብረ-ሰናይ ‘ቢል ኤንድ መሊንዳ ገይትስ’ ኣብ ምጥፋእ ተመሓላለፍቲ ሕማማትን ህጻናት ንኽኽተቡ ንምትብባዕን ቢልዮናት ዶላራት ዝመወለ ትካል እዩ።

ፍልፍል፦ቢቢሲ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.