Fana: At a Speed of Life!

አርሊንግ ሃላንድ ኣብ ማንቸስተር ሲቲ ክሳብ 2034 ዘፅነሖ ኩንትራት ፈሪሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ጥሪ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ተፃዋታይ ክፍሊ ምጥቃዕ ማንቸስተር ሲቲ አርሊንግ ሃላንድ ኣብታ ጋንታ ክሳብ 2034 ዘፅነሖ ውዕሊ ከምዝፈረነ ተገሊፁ።

ወዲ 24 ዓመት ኖርዌያዊ ኣጥቃዒ ካብ ቀረባ እዋን ንደሓር ብቕዓቱ እናወረደ ምምፅኡ ስዒቡ ካብታ ጋንታ ክለቅቕ ይኽእል ኢዩ ዝብል ወረ እናተሰምዐ ከምዝነበረ ፀብፃባት የመላኽቱ።

ሃላንድ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ሰነ 2022 ኢዩ ብ60 ሚሊየን ዩሮ ካብ ጀርመናዊት ጋንታ ቦሩሲያ ዶርትሞንድ ናብ ማንቸስተር ሲቲ ዝተፀምበረ።

ሃላንድ ኣብ ፕሪሚየር ሊግ ካብ ዝገበሮም 87 ፀወታታት 79 ግባት ዘመዝገበ እንትኸውን÷ ክልተ ፅዋዓት ፕሪሚየር ሊግ ሓደ ፅዋዕ ሻምፒዮንስ ሊግ ኣውሮፓ ምዕታሩ ይዝከር።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.