Fana: At a Speed of Life!

ኡጋንዳ ብምኽንያት ምስፍሕፋሕ ቫይረስኮሮና ኣቢያተ ትምህርቲ ዓፂያ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ጉንበት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኡጋንዳ ብምኽንያት ምስፍሕፋሕ ቫይረስኮሮና ኣቢያተ ትምህርቲ ዓፂያ።

ፕሬዚዳንት ኡጋንዳ ዮዌሪ ሙሴቪኒ፥ ኣብታ ሃገር ካልኣይ ማዕበል ለበዳ ቫይረስኮሮና ብዙሓት ሰባት እናተትሓዙ ስለዝኾኑ፤ ኣቢያተ ትምህርቲ ከምዝተዓፀዉን ብዙሕ ሰብ ኣብ ዝእከበሎም ከባቢታት ክልከላ ከምዝተነበረ ገሊፆም፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ካብ ዝቕፅል ሓሙስ ጀሚሩ ኣገልግሎት ትራንስፖርት ህዝቢ ክእገድ ኢዩ ተባሂሉ፡፡

እንዳ ሳዕስዒት፣ እንዳ ሲኒማን ትያትርን እውን ተዓፂዮም ኣለዉ፡፡

እቲ ምዕፃው ኣቢያተ ትምህርቲን ኣኼባታትን ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሩ ተግባራዊ ከምዝኸውን ዝተገለፀ እንትኸውን፥ ን42 መዓልቲታት ዝፀንሕ ከምዝኾነ ተገሊፁ፡፡

ኣብ ኡጋንዳ ክሳብ ሕዚ 52 ሺሕን 929 ሰባት ብቫይረስ ኮሮና እንትተሓዙ፥ 374 ሰባት ድማ ህይወቶም ሓሊፉ፡፡

ፍልፍል፡- ቢቢሲ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5…

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.