Fana: At a Speed of Life!

ኢራን ንመረፅቲ ፓርቲ ዴሞክራት ዘፈራርሑ ኢሜይላት ከምዝለኣኸት ትካል ስለያ ኣሜሪካ ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 12 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢራን ንመረፅቲ ፓርቲ ዴሞክራት ዘፈራርሑ መልእኽታት (ኢሜይል) ምልኣኻ ሰበ መዚ ሃገራዊ ድሕነት ኣመሪካ(ኤፍ ቢ ኣይ) ገሊፆም።

እቶም መልእኽታት ካብ ሕሉፍ የማናዊ ደገፍቲ ትራምፕ ዝተልኣኹ ዝመስሉ’ኳ እንተኾኑ፥ ነዚ መልእኽቲታት ዝሰደደቶ ግን ኢራን እያ ኢሎም እቶም ሰብ መዚ።

እዚ ድማ ናዕቢ ንምልዕዓል ዝዓለመ እዩ ክብል ዳይሬክተር ሃገራዊ ትካል ስለያ ጆን ራትክሊፍ ተዛሪቡ።

ብተወሳኺ ሰበ መዚ ኣመሪካ “ኢራንን ሩሲያን ሓበሬታ ምዝገባ መረፅቲ ከም ዝረኸባ በፂሕናሉ ኢና” ኢሎም ።

ፕሬዚዳንታዊ መረፃ ኣሜሪካ 2020፥ 13 መዓልታት ከምዝተረፎ ይፍለጥ።

ስለዝኾነ መዓልቲ መረፃ ኣብ ዝቐረበሉ ዝተዋህበ እቲ ዘይተለመደ መግለፂ ትካል ስለያ ኣሜሪካ፥ መንግስቲ ድምፂ ኣብ ምውሃብ ከጋጥም ዝኽእል ናይ ወፃኢ ኢድ ኣእታውነት ከምዘሻቐሎ ዘርእይ እዩ ተባሂሉ።

ዳይሬክተር ሃገራዊ ትካል ስለያ ጆን ራትክሊፍ፥ እቲ ናይ መረፅቲ መረዳእታ “ናብ መረፅቲ ናይ ሓሶት ሓበሬታ ብምልኣኽ ምድንጋርን ናዕብን ፈጢርካ ኣብ ዴሞክራሲ ኣሜሪካ ዘሎ ምትእምማን ንክጎድል” ክጥቀምሉ ይኽእሉ’ዮም ብምባል ተዛሪቡ።

ብተወሳኺ “ካብ ወገን ሩሲያ ተመሳሳሊ ተግባር ኣይርኣዩን” ክብል እንከሎ፥ ናይ ገለ መረፅቲ ሓበሬታ ግን ኣለዋ እዩ ኢሉ።

እንተኾነ እቲ ኣብ ኢድ ኢራንን ሩሲያን ኣሎ ዝብሃል ሓበሬታ መረፅቲ ከመይ ኢሉ ወፂኡ ንዝብል እቶም ሰብ መዚ ዝሃቡዎ መብርሂ የለን።

ፍልፍል፦ቢቢሲ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.